ብጾታዊ ትንኮያ ዝተኸሰሰ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣባላት ሰኔት ሓቲቶም

ብኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ጾታዊ ትንኮያ በጺሑኒ እትብል ሰበይቲ ድሕሪ ምቕራባ፡ ኣመሓዳሪ ኣንድሪው ኩሞ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ገለ ኣባላት ሰኔት ጸዊዖም።

ኣባላት ውድብ ዲሞክራት ዝኾኑ ቻክ ስኩመርን ኪርተን ጊልብራንድን፡ እቲ ኣመሓዳሪ "እምነት ነበርቲ ኒውዮርክ ስኢኑ" ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ሸዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣመሓዳሪ ኣንድሪ ኩሞ ብዘይ ፍቓደን ከምዝሰዓመንን ከምዝተናኸፈንን ከሲሰን እየን።

ትማሊ ዓርቢ ድማ፡ ኣብ ኒውዮርክ ሪፖርተር ዝነበረት ካሊእቲ ሰበይቲ፡ ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸመላ ተዛሪባ።

ነቶም ዝቐረቡሉ ክሲታት ከምዘይቅበሎም ዝገልጽ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ካብ ኣባላት ውድቡ ዲሞክራት ንዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺጉ።

እቶም ኣባላት ሰኔት ግና ብዙሕን ሓቅነት ዘለዎን ክሲታት ከምዝቐረበሉ ብምግላጽ "እምነት መሳርሕቱን ህዝቢ ኒውዮርክን ስለዝኣነ ካብ ስልጣኑ ይውረድ" ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።

ቅድም ክብል ኣሌክሳንድራ ኦካስዮ-ኮርቴዝን ጀማል ቦውማንን ዝተብሃሉ ኣባላት ኮንግረስ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመሓዳሪ ዝቐረቡ ክስታት ከምዝኣምኑዎምን "እቲ መራሒ ኣብ ውሽጢ እዞም ጸቕጢታት ኮይኑ ስርሑ ብኣግባቡ ከሳልጥ ከምዘይክእልን" ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።

ናይ ነዊሕ እዋን ተናሓናሒ ኣመሓዳሪ ኩሞ ዝኾነ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ቢል ዲ ብላስዮ ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብዓርቢ ዝቐረበ ክሲ ከምዝጽየፎ ብምግላጽ "ድሕሪ ሕዚ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ከገልግል ኣይኽእልን" ኢሉዎ።

ኣብ 2022 ዘበነ ስልጣኑ ዘብቅዕ ኣመሓዳሪ ኩሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ'ታ ዘመሓድራ ግዝኣት ንኮሮረናቫይረስ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ እናተመስገነ ነይሩ።

ሎምዘበን ድማ፡ ኣብ መሐብሐቢ ማእከላት ንዝነበረ ሞት ብምሽፍፋን ተኸሲሱ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ ነቶም ዝቐረብዎ ክሲታት ንክጻረ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ'ታ ግዝኣት ፍቓድ ሂቡ ኣሎ።

ኣንድሪው ኩሞ ነቶም ዝቐረብዎ ክሲታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ከምዝጽበ ተዛሪቡ።