መገዲ ኣየር ናይጀርያ፡ በረራት ደው ከብል ንዘሕለፎ ውሳነ ከም ዝሰረዘ ኣፍሊጡ

መገዲ ኣየር ናይጀርያ፡ ነቲ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ክቋርጾ ወጢንዎ ዝነበረ በረራታት ውሽጢ ዓዲ፡ ድሕሪ ዘጋጠሞ ተሪር ተቓውሞ ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት፡ ዋጋ ነዳዲ ክጽወር ብዘይክእል መጠን፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ፡ እዩ ወሲኹ ይብሉ ኦፐሬተራት መገዲ ኣየር ናይጀርያ [AON]።

እዚ ኸኣ ብቐንዱ ምስቲ ኣብ ለካቲት ዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተሓሓዝ እዩ።

እንተዀነ እተን መገዲ ኣየራት፡ እቲ ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከት ምስ መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ እናቐጸለ እንከሎ፡ ስርሐን ክቕጽላ ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ብመንግስቲ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝተወሰነ ውሕስነት ተዋሂብወን ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እቲ ብመገዲ ኣየራት ናይጀርያ፡ በረራት ውሽጢ ዓዲ ደው ንምባል ዝሓለፈ ዓርቢ ዝወጸ ውሳነ፡ ብመንግስቲ፡ ተጠቀምትን፡ መሰል ተጠቀምቲ ዝሕልዉ ኣካላትን'ዩ ብርቱዕ ተቓውሞ'ዩ ገጢምዎ።

ነዚ ስዒቡ ብመገዲ ኣየር ናይጀርያ ዝተወስደ ውሳነ ምስራዝ'ቲ ውጥን፡ ንብዙሓት ስርሓቶም ከይሰናኸል ኣብ ወጥሪ ዝጸንሑ ተጓዓዝቲ ሩፍታ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።

እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መንጐ መገዲ ኣየር ናይጀርያን መንግስቲ ናይጀርያን፡ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ማዕረ ክንደይ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽእ ከም ዝኽእል ዛጊት ዝተፈለጠ ጭቡጥ ነገር የለን።

ንትሽዓተ መጓዓዝያታት ነፈርቲ ውሽጢ ሃገር ዝውክል 'ኦፐሬተራት መገዲ ኣየር ናይጀርያ' [AON]፡ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት በረራ ብድጐማ ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ።

ብሕጽረት ነዳዲ ዝምኽነ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ሓያለ በረራታት ክስረዝን ክደናጐን ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ካብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ ኣትሒዙ'ውን ዋጋ ትኬት ኣብ ገሊኡ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ተራእዩ።

መንገደኛታት ናይጀርያ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ በቲ ዋጋኡ ዘንቈልቍል ዘሎ 'ናይራ' [ባጤራ ናይጀርያ] ዝኸፍሉ ኰይኖም፡ ኣቕረብቲ ነዳዲ ግን ብዶላር እዮም ክፍሊቶም ዝሓቱ።

ናይጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ነዳዲ እተፍሪ ሃገር ትዅን እምበር፡ ዳርጋ ዅሉ ነዳዲ ነፈርቲ ካብ ደገ እያ ተእትዎ።

ኣብታ ሃገር ካብን ናብን ዝግበር ጕዕዞ ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዎ፡ ብፍላይ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ብነፈርቲ ክጓዓዙ ይመርጹ።

ኣብታ ሃገር፡ ንዓበይቲ መካይን ዒላማ ዝገበረ ክትራን፡ ተጓዓዝቲ ምጫዋይን ኣምሳያ ገንዘብ ምሕታትን ልሙድ እዩ።