እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋታት ነዳዲ ብኽንደይ ወሲኹ?
ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ፡ ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ከም ዝወሰኸ ብምግላጽ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዘውጽኦ ተመን ዋጋ ነዳዲ፡ ምምሕያሽ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ንድጐማ ነዳዲ ብዝገበሮ ወጻኢ ኣብ ሓያል ጸቕጢ ከም ዝወደቐ ብምሕባር፡ "ኣብ ድጐማ ምርግጋእ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም ናብ ተጠቀምቲ ክመሓላለፍ ዝግባኦ ካብ ዝነበረ፡ ናይ 10 ቢሊዮን ብር ጉድለት ተመዝጊቡ፡" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግብራዊ ዝኸውን ለውጢ ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ገይሩ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ሓደ ሊትሮ በንዚን 36.87፣ ጻዕዳ ናፍታ 53.43፣ ኬሮሲን 35.43፣ ቀሊል ጸሊም ናፍታ 52.45፣ ከቢድ ጸሊም ናፍታ 51.78 ከምኡ'ውን ነዳዲ ነፈርቲ ብ78.87 [ብር] ክሽየጥ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ገይራ ነይራ እያ። ኣብቲ ግዜ፡ በንዚን ብሜትሪክ ቶን 870 ዶላር ይሽየጥ ከም ዝነበረ ዝጠቅስ እቲ ሚኒስትሪ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብ27 ሚእታዊት ብምውሳኽ፡ 1028 ዶላር ከም ዝኣተወ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ናፍታ ብሜትሪክ ቶን 730 ዶላር ይሽየጥ ነይሩ፤ ሕጂ ድማ ብ55 ሚእታዊት ብምውሳኽ ናብ 1138 ዶላር ክብ ምባሉ ገሊጹ።
መንግስቲ ንነዳዲ ዝገብሮ ድጐማ እንተቋሪጹ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ናፍታ 73 ብር ከምኡ'ውን ሓደ ሊትሮ በንዚን ብ66.78 ክሽየጥ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
"ይዅን'ምበር ህልው ኵነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው 85 ሚእታዊት ሰኸም መንግስቲ ተጻዊሩ፡ እቲ 15 ሚእታዊት ናብ ተጠቀምቲ ክመሓላለፍ ብምውሳን፡ ኣብ መሸጣ ፍርያት ነዳዲ መጠናዊ ምምሕያሽ" ተገይሩ ኣሎ ይብል።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስን ሚያዝያን ዘሎ ፍልልይ ዋጋ ነዳዲ
መንግስቲ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ከም ዝወሰኸ ብምግላጽ፡ ወሰኽ ዋጋ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ከም ጸሊም ናፍታ ዝኣመሰሉ ፍርያት፡ ንሊትሮ ክሳብ 121 ሚእታዊት ወሰኽ ወይ'ውን ብ28 ብር ወሰኽ ዘርኣዩ ኮይኖም፡ እቲ ዝተሓተ ምምሕያሽ ዋጋ ዝተገብረሉ በንዚን፡ 15 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ እዩ።
በዚ መሰረት፥
- በንዚን፡ ካብ 31 ብር 74 ሳንቲም ናብ 36 ብር 87 ሳንቲም [15 ሚእታዊት ወሰኽ]
- ጻዕዳ ናፍታ ካብ 28 ብር 94 ሳንቲም ናብ 35 ብር 43 ሳንቲም [22 ሚእታዊት ወሰኽ]
- ጻዕዳ ጋዝ/ ኬሮሲን- ካብ 28 ብር 94 ሳንቲም ናብ 35 ብር 43 ሳንቲም [22 ሚእታዊት ወሰኽ]
- ቀሊል ጸሊም ናፍታ ካብ 23 ብር 73 ሳንቲም ናብ 52 ብር 45 ሳንቲም [121 ሚእታዊት ወሰኽ]
- ከቢድ ጸሊም ናፍታ ካብ 23 ብር 29 ሳንቲም ናብ 51 ብር 78 ሳንቲም [121 ሚእታዊት ወሰኽ]
- ነዳዲ ነፈርቲ ካብ 58 ብር 77 ሳንቲም ናብ 78 ብር 87 ሳንቲም [33 ሚእታዊት ወሰኽ]
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ወሲኹ እዩ፡፡
ሩስያ ኣስታት 10 ሚእታዊት ነዳዲ ዕዳጋ ዓለም ተቕርብ፡፡