እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን ንዓባይ መርከብ ሩስያ ክተጥሕል ዝኸኣለት ብሓገዝ ስለያ ኣሜሪካ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም
ዩክረይን ነታ ሞስክቫ ዝተሰመየት ዓባይ መርከብ ኲናት ሩስያ ክተጥሕል ዝኸኣለት ካብ ኣሜሪካ ብዝረኸበቶ ስለያዊ ሓበሬታ ምዃኑ ማእከናት ዜና ኣሜሪካ ጸብጺበን።
መንነቶም ዘይተገለጸ ሰብ መዚ ከምዝሓበርዎ ዩክረይን ብዛዕባ ሓንቲ ናብ ደቡብ ኦዴሳ ገጻ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣመልኪታ ንኣሜርካ ሓበሬታ ሓቲታ ነይራ።
ኣሜሪካ፡ እታ መራከብ ሞስክቫ ምዃናን ትርከበሉ ልክዕ ቦታን ኣረጋጊጻትላ፤ ብድሕሪ’ዚ ዩክረይን ብክልተ ሚሳይል ወቒዓታ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን። እንተኾነ ግና ሓደ ኣፈኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረይን ገዛእ ርእሳ ምእንቲ ክትከላኸል፡ ኣሜሪካ ስለያዊ ሓበሬታ ሂባታ እያ ኢሉ።
እቶም መንነቶም ዘይተገለጸ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝተጠቐሱ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ዩክረይን መርከብ ሞስክቫ ንእትርከበሉ ልክዕ ቦታ ድሕሪ ምርግጋጽ ክትሃርማ ምዃና ይፈልጡ ከምዘይነበሩ ተዛሪቦም።
እታ 510 ኣባላት ዝነበሩዋ መርከብ ኲናት ሩስያ፡ ኣብቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ መጥቃዕታ ዓቢይ ተራ ዝነበራ ኮይና፡ ምጥሓላ ንሩስያ ከቢድ ጽፍዒት ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብቲ እዋን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እታ መርከብ ብሰንኪ ምብራዕ ጽዒናቶ ዝነበረት ጠያይቲ ከም ዝጠሓለት እዩ ሓቢሩ።
ኣሜሪካ ዛጊት ብዛዕባ ሞስክቫ ንዝወሃብ ጸብጻባት ምላሽ ኣይሃበትን ኣላ።
እንተኾነ ግን ኣፈኛ ፔንታጎን፡ ጆን ኪርቢ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ዓውደ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ላዕለዎት ጀነራላት ሩስያ ዝርከቡሉ ስፍራ ስለያዊ ሓበሬታ ንዩክረይን ተቐብል እያ ንዝብል ዝቐደመ ጸብጻባት ነጺግዎ እዩ።
ሃገራዊ ቤትምኽሪ ጸጥታ ዋይት ሃውስ (ኤንኤስሲ) እውን፡ ዩክረይን ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ዕላማ ንኽትገብር ኣሜሪካ ትሕግዛ እያ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጉዎ’ዩ።
ኣፈኛ ኤንኤስሲ ኣድርየን ዋትሰን፡ “ንሩስያውያን ጀነራላት ንምቕታል ዝዓለመ ስለያዊ ሓቤረታ ኣይነቐብልን ኢና” ኢላ።
ምምሕዳር ባይደን ንዩክረይን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዛት የሐይሎ ኣሎ።
ኣሜሪካ ንሩስያ ተጥቅዕ የላን ክብል ዝምጉት ፕረዚደንት ባይደን ንዩክረይን ናይ 33 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ፡ ቁጠባዊን ሰብኣውን ሓገዛት ንምሃብ ንባይቶ ሃገሩ ሓቲቱ ኣሎ።
እዚ ኣሃዝ ዕጽፊ ናይቲ ዛጊት ኣሜሪካ ንዩክረይን ዝሃበቶ ወተሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ብፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝወሃብ ናይ ኑክለራውን ካልእን መጠንቀቕታታት ብዙሕ ዋጋ ከምዘይህቦ ከርእይ ከምዝደሊ ኤዲተር ቢቢሲ ሰሜን ኣሜሪካ ሳራ ስሚዝ ትዛረብ።
እቲ ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን ዝገብርኦ ወተሃደራዊ ሓገዝ “ንጸጥታ እታ ኣህጉር” ኣስጋኢ ከምዝኾነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ይገልጽ።