ሞስክቫ ዝተባህለት ዓባይ ናይ ሩስያ ናይ ውግእ መርከብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ጥሒላ

እታ ሃገራዊ ኣርማን ሓበንን ሩስያ ዝኾነት ሞስክቫ ዝተባህለት ኣዝያ ዓባይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ጥሒላ።

ሚኒስትር መከላኸሊ ሩስያ፡ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ እታ መርከብ ዝሰመጠት ብዘጋጠማ ምንታጕ ምስተጎደአት ድሕሪ ሰዓታት እዩ።

ድሕሪ እቲ ፍንጀራ ፅገና ክግበረላ ናብ ወደብ ሰቫስቶፖል እናተፀግዐት ከምዝነበረት እውን ተገሊፁ። ኮይኑ ግና ማዕበላት ባሕሪ ክትፃወር ስለዘይካኣለት ከምዝሰመጠት ሩስያ ኣሚና ኣላ።

ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ልዕሊ 500 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ግና ናብ ካልእ መርከብ ተወሲዶም ሂወቶም ከምዘተረፈ ተነጊሩ።

ዩክረይን ብወገና 'ህይወት ናይታ ውርይቲ መርከብ ዝቈረፅክዎ ኣነ እየ' ትብል ኣላ። ሞስኮ ግን ኣይተቐበለትን።

ሞስኮቫ ዕድሜኣ ልዕሊ 40 ዓመት እንትኾን ኣብ ዙርያ ፀሊም ባሕሪ ሩስያ ትተኣማመነላ ብሔራዊ ኩርዓት ኮይና ትርአ ነይራ።

ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ዩክረይን ኔፕትዩን ዝተብሃለ ሚሳይል ብምትኳስ ኣብታ መርከብ ሓደጋ ከምዘስዐቡ ይዛረቡ።

ኔፕትዩን ሩስያ ኣብ 2014 ንክሪምያ ምስሓዘታ ኣብቲ ከባቢ ፀሊም ባሕሪ ዘለዋ ስግኣት ንምክልኻል ዩክረይን ዘምረተቶ ተወንጫፊ ሚሳይል እዩ።

ገለ ገለ ክኢላታት ወተሃደራት ግና ኔፕትዩን ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ መከላኸሊ መጥቃዕቲ ኣየር ሓሊፉ ንታ ሞስኮቫ ዝተብሃለት መርከብ ክወቅዕ ምኽኣሉ ይጠራጠሩ እዮም።

ዝኾነ ኾይኑ ምስኮቫ ክትሰምጥ ብዛዕባ ዝገበራ ነገር ገለልተኛ ወገናት ዝበልዎ ነገር የለን።

ሞስኮቫ ብሶቭየት ሕብረት ተሰሪሓ ብ1980 እኣ ስራሕ ጀሚራ።

ዝተፈላለዩ ሚሳይላት ትሽከምን ልዕሊ 12 ሽሕ ቶን ትመዝንን መርከብ ኣብ እዋን ቅልውላው ሶርያ ንወተሃደራት ሩስያ ዓብዪ ሓገዝ ከምዝገበረት ይንገር።

ከምዚ ዓይነት ዓባይ መርከብ ክትሰምጥ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሞስኮቫ ፈላመይቲ እያ።