ምትፍናን ሩስያን ዩክሬን ናብ ኲናት ከምርሕ ዘሎ ተኽእሎ ክሳዕ ክንደይ'ዩ?

ሓይልታት ሩስያ ምስ ዩክሬን ኣብ ኲናት ክኣትዉ ይዳለዉ ኣለዉድዮም? ብርግጽ እዚ ፍርሒ'ዚ ኣብ መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራትን ዩክሬንን ተፈጢሩ'ሎ።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ሩስያ ንገለ ክፋል ደቡባዊ ዩክሬን ድሕሪ ምቁጽጻራ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል'ውን ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ግጭት ወሊዖም ይርከቡ።

ክልቲአን ሃገራትን፡ ሓደ መንጎኛ ውድብ ኣውሮጳን፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከኽብርዎ ብረቡዕ ተሰማሚዖም ነይሮም።

ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን ብሓሙስ 23 ታሕሳስ ንምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት "ንስኹም ኢኹም ውሕስነት ክትህቡና ዘለኩም፡ ሕጂ ብህጹጽ ድማ ኢኹም ክትህቡና ዘለኩም" ክብል ጠሊቡ'ሎ።

ሩስያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣብ እተፈራርሓሉ ዘላ እዋን፤ ኣመሪካ ብወገና ሩስያ ንዩክሬን እንተ ወሪራታ፡ ቅድሚ ሕጂ ተገይሩ ዘይፈልጥ እገዳ ኣብ ልዕሊኣ ከም እተንብር ኣጠንቂቓ'ላ። ንምዃኑ እቲ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ዩክሬን ኣበይ ትርከብ?

እታ ሓንቲ ካብተን ንሶቬት ሕብረት ነበር ዘቖማ ሪፓብሊካት ዝኾነት ሃገረ ዩክሬን ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ሩስያን'ያ ትዳወብ። ብሰንኪ ኣብ እዋን ሶቬት ሕብረት ዝነበረ ርክብ ግን፡ ክልቲአን ሃገራት ዓሚቚ ማሕበራዊን ባህላዊን ዝምድና ኣለወን። ቋንቋ ሩስያ'ውን ኣብ ዩክሬን ብሰፊሑ ይዝረብ'ዩ።

የክሬን ናብ ትካላት ሕብረት ኣውሮጳ ምጽጋዓ ሩስያ ብዓይኒ ጥርጠራ ክትሪኦ'ያ ጸኒሓ።

ኣብ 2014፡ ዩክሬናውያን ነቲ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዮም፡ ሩስያ ንደቡባዊት ወሽመጥ ክሪሚያ ብምቁጽጻር ኣካል ግዝኣታ ምዃኑ ኣዊጃ። ብሩስያ ዝድገፉ ተቓወምቲ ብወገኖም፡ ዶንባስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰፊሕ ከባቢታት ምብራቓዊ ዩክሬን ተቖጻጺሮም።

ሞስኮ፡ እዛ ጎረቤታ ዝኾነት ዩክሬን ኣባል ናይቲ መቀናቕንቲ ሩስያ ዝኾነ፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከይትኸውን'ያ ትጠልብ።

ተኽእሎ ወራር ሩስያ ክሳብ ክንደይ'ዩ?

ኣብ ምብራቓዊ ዶባት ዩክሬን ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ይቕጽል ኣሎ። ሩስያ ታንክታትን ኣነጻጸርቲን ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዘሎ ከባቢ ኣእትያ ከምዘላ ዩክሬን ትኸስስ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ህላወ ናይቲ ኲኖ ዶብ ተጸጊዑ ዘሎ ደርማስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ'ዩ። ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ከምዝብልዎ፡ እቲ ሓይሊ ልዕሊ 100 ሽሕ ዓቕሚ ዘለዎ'ዩ።

ዘይተርፍ ስግኣት ዘሎ ኣይመስልን ወይ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዲሚር ፑቲን ወራር ከካይድ ከምዝወሰነ ዘረጋግጽ ነገር ዛጊት የለን። እንተኾነ ግን፡ ነቲ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኽተልኦ ዘለዋ ተሪር ኣንፈት "ብቑዕ ዓጸፋዊ ወተሃደራዊ ቴክኒካዊ ስጉምቲ" ከምዘድልዮ ምዝራቡ ስክፍታ ፈጢሩ ይርከብ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርገይ ሪያብኮቭ፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ከምቲ ኣብ 1962 ተፈጢሩ ዝነበረ ቅልውላው ኑክሌራዊ ሚሳይል ኩባ ዝበለ ኩነታት ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።

ኣብ 1962 ኣብ ኩባ፡ ኣብ መንጎ ሶቬት ሕብረትን ኣመሪካን ዝተፈጠረ ኑክሌራዊ ምፍጣጥ ኣብ ዓለም ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ምንባሩ መዛግብቲ ታሪኽ ይጠቕሱ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆን ኤፍ ኬነዲን፡ መራሒ ሶቬት ኒኪታ ክሩስቾቭን ኣብ መወዳእታ ነቲ ቅልውላው ከህድእዎ ብምስምምዖም ግን፡ ዓለም ካብ ኑክሌራዊ ኲናት ድሒና ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ።

ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ይኹኑ፡ ትካላት ናይ ዩክሬን ከምዝእምትዎ፡ ከፊላዊ ምትእትታው ወይ ምሉእ ወራር ኣብ ፈለማ 2022 ክኽሰት ይኽእል'ዩ። "እቲ ኩነታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክዓርገሉ ዝኽእል ድልውነት ኣብ መወዳእታ ጥሪ" ክኸውን ይኽእል'ዩ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬን ኦለክሲ ረዚኒኮቭ ይዛረብ።

ትካላት ስለያ ኣመሪካ ከምዝብልዎ ድማ፡ ኣስታት 175,000 ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ድልዋት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ፕረዚደንት ፑቲን "ሰራዊት ሩስያን ትካላት ጸጥታ ሩስያን ደርማሳዊ ስጉምቲ ክወስድሉ ኣብ ዘኽእሎም ደረጃ የብጽሖም ኣሎ" ክብል ዳይረክተር ሲ-ኣይ-ኤ ዊልያም በርንስ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ኔቶ ካብ ኣፍደገ ሩስያ ንክርሕቕ ዝግበር መናውራ ክኸውን'ውን ይኽእል'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ተራእዩ ስለዝነበረ። ሽዑ ግን፡ ሩስያ ነቲ ዘካየደቶ መጠነ-ንኡስ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ልምምድ'ዩ ኢላ ብምንእኣስ ስሒባ- ዋላ'ኳ ገለ ኪኢላታት ከፊላዊ ምስሓብ ከምዝገበረት ዝምጉቱ እንተኾኑ። ዝኾነ ሕድገታት ግን ኣይገበረትን።

ኣመሪካን ሩስያን ሕጂ'ውን ካብ ዝርርብ ዓዲ ኣይወዓላን። ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ሩስያዊ መዘናኡ ፑቲንን ብ7 ታሕሳስ ብቪድዮ ናይ ማዕዶ ርክብ ኣካይዶም ነይሮም።

ፕረዚደንት ፑቲን'ውን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ኣብ ጀነቫ ተወሳኺ ልዝብ ክግበር ከምዝኽእል ተስፋ ሂቡ ነይሩ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ብዛዕባ ኔቶ ዘለዎ ጠለባት ዘተኩር እንተኾነ።

ሩስያ እንታይ በሃሊት'ያ?

ፈለማ፡ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ክሪሚያ፡ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ዩክሬን እትእክቦ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእልታት፡ ኣእዋዪ ብምባል ክትነጽጎ ፈቲና ነይራ። ብፍላይ ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ጀነራል ቫለሪ ገራሲሞቭ፡ "ሩስያ ንዩክሬን ክትወራ ትዳሎ ኣላ ብዝብል ኣብ ሜዲያ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ሓሶት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ግን፡ ፕረዚደንት ፑቲን ""ብቑዕ ዓጸፋዊ ወተሃደራዊ ቴክኒካዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ንተጻባኢ ስጉምቲታት ግብረመልሲ" ከምዝህብ ምፍርርሑ ነቲ ስክፍታ ኣዕሪጉዎ።

ዩክሬን ብወገና፡ ፍርቂ ወተሃደራዊ ዓቕማ- ኣስታት 125 ሽሕ ኣባላት- ኣብ ምብራቓዊ ዶባታ ኣጸጊዓ ኣላ ክትብል ሩስያ ትኸስስ። ዩክሬን ግን፡ እቲ ሓይሊ ኣንጻር እቶም ኣብ ዞባ ኪየቭ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝዓለመ'ዩ ብምባል፡ ናይ ሩስያ ክሲ፡ "ትርጉም ኣልቦ ፕሮፖጋንዳን" ነቲ ሓሲባቶ ዘላ ናይ ወራር ውጥን ጎልባብ ንምግባርን'ዩ ብምባል ትነጽጎ።

ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ኔቶ፡ ንዩክሬን ኣጽዋር የዕጥቓኣ ኣለዋ ክትብል'ውን ሩስያ ትወቅስ'ያ። ብፍላይ ንኣመሪካ ዘነጻጸረ ነቐፌታ ከስምዕ ዝጸንሐ ፑቲን፡ ሃገሩ "ነድሓርሕረሉ ቦታ የለን- ኮፍ ኢልና ንጽበዮም ድዩ ዝመሰሎም" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ስግኣት፡ እቲ ሩስያ ብወገና ተቕርቦ ዘላ ቅሬታታት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክትወስድ ጎልባብ ከይኮና ዝብል'ዩ። ኣብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ባይቶ ሩስያ ዝኾነ ቭላድሚር ዛባሮቭ ከምዝበሎ፡ ኣስታት 500 ሽሕ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ተቓወምቲ ዘለዉ ዩክሬናውያን ናይ ሩስያ ፓስፖርት ከምዝተዋህቡ ሓቢሩ ነይሩ። እቶም ተቓወምቲ ሓገዝ ሩስያ እንተጠሊቦም ድማ "ንበይኖም ክንገድፎም ኣይንኽእልን" ክብል ተዛሪቡ።

ሩስያ እንታይ'ያ ትደሊ?

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብዛዕባ ዩክሬን ዝምልከት "ቀይያሕቲ መስመራት" ክሰግራ የብለንን ክብል ፕረዚደንት ፑቲን ኣጠንቂቑ'ሎ። እዞም ቀያሕቲ መስመራት ግን ኣበይ ዘለዉ'ዮም?

ሓደ ካብኦም፡ ወተሃደራዊ ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ንዩክሬንን ጆርጅያን ከየጠቓልል ዝብል'ዩ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ደው ከብሎ'ዩ። እዚ ማለት ድማ ኣሃዱታት ካብ ፖላንድን ካብተን ኣብ ዞባ ባልቲክ ዝርከባ ሃገራት ኢስቶንያ፡ ላቲቭያን ሉትዌንያን ክስሕብ። ብተወሳኺ፡ ኔቶ ኣብ ፖላንድን ሮማንያን ሚሳይላት ከይተክል ዝብሉ'ዮም።

ብሓጺሩ ኔቶ፡ ናብቲ ቅድሚ 1997 ዝነበሮ ክሊ ክምለስ'ያ ሩስያ ትጠልብ። ፑቲን ከምዝብሎ፡ ሃገሩ፡ ደማዊ ረጽሚ ብምውጋድ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ'ያ ትጽዕር ዘላ። እንተኾነ ግን፡ ከምዚ ዓይነት ጠለባት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብኣግኡ ዝተፈልጠ'ዩ። ይኹን እምበር፡ ብወገኑ እንታይ ከምዝደሊ ኣነጺሩ ከምዘሎን፡ ሕጂ እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳ ምራባውያን ሃገራት ከምዘላን'ዩ ዝገልጽ።

ንዩክሬን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣመሪካ "ኣብ ኣፍደገ ገዛና" ይካየድ ኣሎ ዝብል ፑቲን፡ ዩክሬን በታ ኣባል ኔቶ ዝኾነት ቱርኪ ዝተሰርሓ ድሮናት ኣንጻር እቶም ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ተውዕለን ምህላዋ ባህ ከምዘየበሎ ኣይሓብአን። ሃገራት ምዕራብን ዩክሬንን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዘካይድኦ ወተሃደራዊ ልምምድ'ውን ስክፍታ ዝፈጥረሎም ምዃኑ ኣነጺሩ'ዩ።

እቲ ሩስያዊ መራሒ ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ነዊሕ መግለጺ፡ ሩስያን ዩክሬንን "ሓንቲ ሃገር" እየን ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ ሶቬት ሕረብት ዝነበረን ርክብ ብምዝካር፡ ናይ መራሕቲ ዩክሬን "ኣንጻር ሩስያ ዝቐንዐ ፕሮጀክት" ኣለዎም ክብል ከሲሱ ነይሩ። እቲ ኣብ 1991 ዘጋጠመ ምፍራስ ሶቬት ሕብረት ነበር ንፑቲን ከምዘሕምሞ'ዩ ዝፍለጥ። "ምፍራስ ታሪካዊት ሩስያ" ክብል ድማ'ዩ ዝገልጾ።

ደገፍ ምዕራባውያን ሃገራት እንታይ ይመስል?

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ ከምዝብሎ፡ ምስ ዩክሬን ዘለዎም ምትሕግጋዝ ኣብ ምክልኻል ዘተኮረ'ዩ።

ብሪጣንያ፡ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ኣብ ገማግም ባሕ ሪኣዞቭን ጸሊም ባሕሪን ኣብ ምህናጽ ክትተሓባበር ምዃና ይፍለጥ። ኣመሪካ'ውን 'ጃቨሊን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸረ-ታንክ ሚሳይላት ንዩክሬን ከምዝሃበት'ዩ ዝግለጽ። ብዘይካ'ዚ፡ ክልተ ጀላቡ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ተዋሂበን ኣለዋ።

ዋላ'ኳ፡ ዩክሬን ኣባል ኔቶ ክትከውን ከምዘይተፍቅድ ሩስያ እንተገለጸት፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለነስኪ ግን፡ ኔቶ፡ ኣባልነት ሃገሩ መዓስ ከምዘጽድቕ ከረጋግጽ'ዩ ዝምሕጸን ዘሎ።

"ዩክሬን መዓስ ናብቲ ኪዳን ትጽንበር፡ ዩክሬንን 30 ኣባላት [ኔቶን] ዝውስንዎ'ዩ" ይብል ስቶልተንበርግ።

ኣመሪካ፡ ዩክሬን "ልኡላዊ መሬታ" ንምክልኻል ክትድግፋ ምዃና ዓው ኢላ ክትዛረበሉ ዝጸንሐት መርገጺ'ዩ። ዩክሬን እንተ ተጠቒዓ "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ" ስጉምቲታት ክወስድ ምዃኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣጠንቂቑ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ ሰራዊት ኣብ ዩክሬን ምውፋር ዝብል ኣማራጺ ኣብ ውጥን ከምዘየለ'ዩ ዝገልጽ።

ዩክሬን ብወገና፡ ዋላ'ውን በይና እንተኾነት፡ ርእሳ ንምክልኻል ክትዋጋእ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዲሚትሮ ኩለባ ይገልጽ።

ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ነቲ ብሩስያ ዝተሓንጸጸ "ቀያሕቲ መስመራት" ብምጥሓስ ይኹን፡ ዩክሬን ኣባል ኔቶ እንተኾይናን፡ እቲ ዝገብርኦ ቁጠባዊን ካልእን ስጉምቲታትን ብኸመይ ንኪየቭ ክጠቕማ ይኽእል ዝብል ዓቢ ሕቶ'ዩ።

እቲ ዝዓበየ ምዕራባውያን ሃገራት ክጥቀማሉ ዝኽእላ መሳርሒ፡ እገዳታትን ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ምብርካትን'ዩ ዝመስል። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ቪኪ ፎርድ ከምዝበለቶ፡ ሃገራ ንዩክሬን ክትህቦ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ደገፍ ከተሐድሶ ትሓስብ ኣላ።

ኣብ መዳይ ቁጠባ ግን፡ እቲ ዝዓበየ ስጉምቲ ስርዓተ-ባንኪ ሩስያ ካብ ዓለም ክብተኽ ምግባር'ዩ። ነቲ ኣብ ባንክታት ዓለም ዘሎ ሃብቲ ሩስያ ዒላማ ምግባር'ውን ዘይተርፍ'ዩ ዝኸውን።

ካልእ'ውን፡ እቲ ብጀርመን ዝሓልፍ 'ኖርድ ስትሪም 2' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝኸይድ ሓድሽ መስመር ጋዝ ሩስያ ምኽልካል'ዩ። ጀርመን ብዛዕባ'ዚ ጌና ኣብ ዝኾነ ውሳነ ኣይበጽሐትን ዘላ። ሩስያ ነቲ ወጥሪ ከምዝዓርግ እንተጌራ ግን፡ እቲ መስመር ከምዘይሰርሕ ሰብመዚ ጀርመን ኣነጺሮም ኣለዉ።