ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስና ከባቢታት ሓይልታታ ኣዋፊራ

ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ኣብ እትርከብ፡ መርሳቢት ዝተባሃለት ግዝኣታ፡ ዓሌታዊ ጐንጺ ድሕሪ ምውልዑ ሓይልታት ጸጥታ ከም ዘዋፈረት ተገሊፁ።

ኣብቲ ዓሌታዊ ጐንጺ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባላት ፖሊስን ካልኦት ሓይልታት ፀጥታን ኬንያ ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም ኣለዉ።

መንቀሊ ናይቲ ኣብ መርሳቢት ዝተኸሰተ ጐንጺ፣ ድርቂ፣ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ካብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ዝኣቱ ዘሎ ኣጽዋርን ምዃኑ መንግስቲ ኬንያ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ከም ዝበሎ፡ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘይሓጋዊ መገዲ ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ኣጽዋርን ጠያይትን ኣብ ቍጽጽር ውዒሎም ኣለዉ።

መንግስቲ ኬንያ ናብ መርሳቢት ሓይልታት ፀጥታ ካብ ምውፋር ብተወሳኺ፡ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ሰዓት እቶ እቶ ከም ዝኣወጀን፡ ዕጥቂ ከም ዘፍትሕ'ውን ኣጠንቂቑ'ሎ።

በቲ ኣብ ግዝኣት መርሳቢት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ'ውን ከም ዝተቐተለ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኬንያ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣረሜናዊ ክብል ኮኒንዎ'ሎ።

ኣብቲ ብኸቢድ ደርቂ ካብ መንጐ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ እቲ ከባቢ ዶብ፡ ዝምታ ጥሪት እውን ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝወሰኸ ይዝረብ።

ኣብዚ እዋን ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዝርከብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ [መንግስቲ "ሸኔ" ዝብሎን ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ዝተባህለን] ኣብ በረኻታት ኬንያ ወተሃደራዊ ስልጠና ከም ዘካይድ ይዝረብ'ዩ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብ ኬንያ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሒ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ "ንኣልሸባብን ኦነግ ሸኔን ሓቢርና ነጥፍኣዮም፡" ብዝብል ከም ዝተሰማምዑ ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።