እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያውያን ጒሒላታት ሓደገኛ ዝኾነ ዘይቲ ንመኸሸኒ ይሰርቁ ምህላዎም ተገሊጹ
ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኬንያ፡ ብሰንኪ ስርቂ ትራንስፎርመራት ሚልዮናት ዶላር ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ። ካብቲ ትራንስፎርመራት ዝወጽእ ሓደገኛ ዘይቲ፡ ከም ዘይቲ ብልዒ ተመሲሉ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ከምዘሎውን ሓቢሩ።
እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ እቶም ገበነኛታት እቲ ፈሳሲ ካብቲ ትራንስፎርመር ብምውጻእ ንሬስቶራንታትን ኣብ ጸግዒ መገዲ መግቢ ንዘዳልውን ይሸጡሎም ከም ዘለው ኣፍሊጡ።
እዚ ኣብ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ስርቂ ትሕተ ቕርጺ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስቲ ኣብ ቀረባ ጊዜያታት ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ዘይቲ ዝተሓሓዝ ከም ዝኸነ ብምግላጽ ገለ ትካላት ንግዲ ከምዚኦም ዝተሰረቑ ዘይትታት ምዕዳግ ናብ ዝኣመሰሉ ዘይተለመዱ ኣማራጺታት ከም ዝኣተው ገሊጹ።
እቲ ናይ መግቢ ዘይቲ ዝመስል ኣብ ውሽጢ ትራንስፎርመር ዝርከብ ዘይቲ ግና ንጥዕና ሰባት ሓደገኛ ኮይኑ፡ ከቢድ ጠንቂ ጥዕና ከም ዘስዕብ ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ካልኦት ሰረቕቲ ድማ ውልቀሰባትን ትካላትን ቐረብ ኤሌክትሪክ ዝረኽብሉ መስመር ብምቑራጽ፡ ዳግም ንክጸዕግኑዎ ገንዘብ ይሓቱ።
ኣብዚ እዋን 20 ዝጽግዓ ትራንስፎርመራት ከም ዝዓነዋ ወይ ጉድኣት ከም ዝበጽሐንን ኣብ ማእኸላይ ኬንያ ዝርከቡ ትሕተ ቕርጺ ዝበጽሕ ጉድኣት እናወሰኸ ከም ዝመጽአን ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።
ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ብውሑድ 22 ሰባት ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከለው ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርኣይ ኣሎ።
እቲ ዝፍጸም ዘሎ ዝምታ ምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይኸውን ብምህላው፡ ምዕናው ትሕተ ቕርጺ ዘስዕቦ ሓደጋ ዝምልከት ግንዛበ ንምዕባይ ሃገራዊ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ኤሌክትሪክ ዝተፈጸሙ ዝምታ ብዘስዓቦ ምፍራስ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ: ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ምቁራጽ ቐረብ ኤሌክትሪክ ኣስዒቦም እዮም።