እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምድላው ይከኣል’ዶ? ሰብሞያ እንታይ ይብሉ?
ኣብዚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ዘይቲ ኣዛራቢ ዛዕባ ኰይኑ'ሎ።
እዚ ትሕዝቶ፡ ንጠንቂ ምንሃር ዋጋ ዘይቲ ኣጽኒሑ፡ 'መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምብሳል ይከኣል'ዶ?' ንዝብል ሕቶ ክድህስስ እዩ።
ዶክተር ይሁኔ ኣየለ ኣብ ኢትዮጵያ - ዩኒቨርሲቲ ዲላ - ተመራማሪ ሳይንስ መግብን መኣዛን እዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ዘይቲ ኣብ ኣመጋግባ ከም ልምዲ ስለዝውሰድ እምበር እንተ ተረፈ እዩ ዝሓይሽ።
ነቲ ኣብዚ ቕነ ኣጋጢሙ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ድማ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይገልጾ። ንኣገልግሎትን ረብሓን ዘይቲ መሰረት ብምግባር'ዩ ከምዚ ይብል።
ንመግቢ ዝውዕል ዓይነት ዘይቲ ካብ ስያመኡ እንተጀሚርና 'ኩኪንግ ኦይል' ["Cooking oil"] ብዝብል ይፍለጥ። እዚ ድማ ዘይቲ ከም መብሰሊ ወይ መቕለዊ መግቢ ከምዝዀነ እዩ ዘመልክት።
ዶክተር ይሁኔ ከምዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን ዘይቲ ንመስርሒ መግቢ መሰረታዊ ንጥረ-ነገር ጌርካ ናይ ምውሳድ መረዳእታ እዩ ዘሎ። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ብብዝሒ ይርአ እዩ።
ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት፡ ዘይቲ፡ ልክዕ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝውቱር ከምዘይነበረ እቲ ዶክተር ይገልጽ።
"ብዙሕ ሰብ ጣዕሚ መግቢ ካብ ዘይቲ ዝምንጩ እዩ ዝመስሎ። ረብሓ ዘይቲ ግን እቲ ዝበስል ዘሎ መግቢ ብቐሊሉ ብሓዊ ከይተቓጸለ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞ ትሕዝቶ ሒዙ ክጸንሕ ምግባር'ዩ፡" ክብል የረድእ።
ብኣብነት ከቐምጥ ከሎ፡ ሓምሊ ብዘይቲ ወይ ማይ ክነብስሎ እንተፈቲንና፡ ቆጻል ሕብሩ ሒዙ ክጸንሕ፡ መኣዛኡ ከይጠፍእ፡ ረብሓ ዘለዎም ኬሚካላቱ ከይጠፍኡ ዘይቲ ዝለዓለ እጃም ኣለዎ።
"ምንጪ ጣዕሚ ናይቲ ሓምሊ ግን እቲ ዘይቲ ዘይኮነስ ባዓሉ እቲ ሓምሊ እዩ። እቲ ጣዕሚ ክመጽእ ዝኸኣለ ሃፊፎም ክወጽኡ ዝነበሮም መኣዛታት ሓምሊ ብምኽንያት እቲ ዘይቲ ተዓቂቦም ክጸንሑ ብምኽኣሎም እዩ፡" ይብል።
ተመሓላለፍቲ ብዘይኰኑ ሕማማት ጥዕና ስኢኖም ናብ ሆስፒታላት ካብ መንጎ ዝኸዱ ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ቀንዲ መንቀሊ ስእነት ጥዕናኦም ምስ ምዝባዕ ስርዓተ ኣመጋግባ ከም ዝተሓሓዝ ዶክተር ይሁኔ ይዛረብ።
ከም ሽኮር፡ ጨው፡ ዕሹጋት መግብታት፡ እንዳ ፒዛን በርገርን ብብዝሒ ምኽፋቶም ከም ምኽንያት ዘቐምጥ እቲ ዶክተር፡ ብፍላይ ኣጠቓቕማ ዘይቲ ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ እንተዀይኑ ኣብ ምዝባዕ ጥዕና ዝለዓለ ብጽሒት ከም ዝወስድ የቐምጥ።
ዘይቲ ብምንታይ ክትካእ ይኽእል?
ተመሓላለፍቲ ዘይኰኑ ሕማማት ቀንዲ መንቀሊኦም ወሃቢ ሓይሊ ዝዀነ መግቢ ምብዛሕ ['ካሎሪ ኢንቴክ'] ከምዝዀነ ዝሕብር እቲ ዶከተር፡ ኵነታት ኣነባብራና ድማ ብዙሕ ምንቅስቓስ ዘይንገብረሉ እናዀነ ምምጽኡ ይገልጽ።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይንገብር እንተዄንና ከኣ እቲ ሓይሊ ዝህብ መግቢ ናብ ስብሒ ይቕየር። ነዚ ቀንዲ መንቀሊኡ ድማ ዘይትን ጮማን እዩ።
ስለዚ፡ ዘይቲ ኣብዚሕኻ ምጥቃም ሕማምካ ከም ዝበዝሕ ምግባር'ዩ ዝቝጸር ይብል ዶክተር ይሁኔ። ግን ከኣ ዘይቲ ብመጠኑ ምጥቃም ንሰብነትና ኣድላዪ ከምዝዀነ ኣዘኻኺሩ'ሎ።
ብፍላይ ንቘልዑ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልጽ።
"ሰብነትና ከዳልዎም ዘይከኣሉ ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣሲድ ዘለዎም መግብታት ኣለዉ። ብፍላይ ንቘልዑ ዝዀኑ። ነዚኦም ግን ካብ ዓሳን ፀባን ምትካእ ይከኣል'ዩ፡" ይብል።
ገለ ዓይነታት ቫይታሚን ካብ ቅብኣት ዝምንጭዉ ስለዝዀኑ ብቕብኣት ከምዝሓቁ ዝጠቅስ እቲ ዶክተር፡ ብዝተወሰነ መጠን ዘይቲ ዘድልየሉ ሓደ ምኽንያት ምዃኑ የቐምጥ። እቲ ኣብ መብዛሕትና ዝረአ ኣጠቓቕማ ዘይቲ ግን ግጉይ ከምዝዀነ ይሕብር።
ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ክዝርዝር ከሎ፡ "ኣብ መጠን ዘይቲ ገደብ ዘይምግባር፣ ኣብ ኵሎም ዓይነታት መግቢ ዘይቲ ብዘይመጠን ምጥቃም፣ ሓደ ጊዜ ዝተጠቐምካሉ ዘይቲ ደጋጊምካ ምጥቃም፡" ይብል።
"ንኣብነት ቦምቦሊኖ ንምስራሕ እንጥቀመሉ ዘይቲ ሓደ እዩ [ኣፍሊሕካ እናደጋገምካ ምጥቃም]። ሽዑ እቲ ዘይቲ ናብ 'ትራንስ ፋት' (ጐዳኢ ስብሒ) ይቕየር። እዚ ከኣ ንሕማም መንሽሮ የቃልዓና፡" ክብል የረድእ።
መግቢ ብዘይ ዘይቲ?
ዶክተር ይሁኔ ከምዝብሎ፡ ስለዘይተለምደ እምበር፡ "መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምብሳል ኣይከኣልን፡" ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብጻሕ ልክዕ ኣይኰነን።
"ንኣብነት ድንሽ እንተወሲድና ብማይ ክነብስሎ ንኽእል ኢና። ካብኡ ድማ ብእንጣጢዕ፡ ሰሊጥ፡ ንሂጕን ካልኦት ናይ እኽሊ ቅብኣታት ብምጥቃም ነቲ ናይ ዘይቲ ድልየትና ክነማልእ ንኽእል ኢና፡" ክብል ይዛረብ።
ብፍላይ መልሓስና ሓደሽቲ ነገራት ንምልማድ ነዊሕ ጊዜ ከምዝወስደሉ'ዩ ዝሕብር።
ሽሮ ብዘይ ዘይቲ
ብዘይ ዘይቲ ጥዕናና ኣውሒስና ክንነብር ንኽእል ኢና፡ ይብል ዶክተር ይሁኔ። ነዚ ክነስተብህል ዘይገብሩና ምኽንያታት ግን ኣመለኻኽታናን ልምድታትናን ከምዝዀኑ የቐምጥ። ከም ኣብነት ድማ ንሽሮ የምጽእ።
"ሽሮ ብዘይ ዘይቲ ምስራሕ ይከኣል'ዩ። ሽሮ ጣዕሚ ዝህልዎ ብዘይቲ ኣይኰነን። ሽሮ ብእንጣጢዕ ምስራሕ ይከኣል'ዩ። ኣደታትና ብእንጣጢዕን ንሂጕን ሰሪሓናኦ እየን። ዝዀነ ይዅን መግቢ ብዘይ ዘይቲ ምድላው ይከኣል'ዩ፡" ይብል።
እቲ ጸገም ዝኸውን ክሳብ እንለምዶ ዝወስደልና ግዜ ጥራይ እዩ።
"ኣነ ዘይቲ እንተ ተረፈ'ውን ካብቶም ቈጭቈጭ ዘይብሎም ሰባት እየ፡" ክብል ድማ ሓሳቡ ይዛዘም።