እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን: ዕንወት ንዓለማዊ ውሕስነት መግቢ
ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ኩባንያታት ምፍራይ ድኹዒ ሓደ ዝዀነ ስቪየን ቶሬ ሆልሴዘር፡ ኲናት ዩክረይን ኣብ ዓለማዊ ቀረብን ዋጋን መግቢ ከቢድ ምዝባዕ ከምዘኸትል ይዛረብ።
ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝነጥፍ፡ ብያራ ኢንተርናሽናል ዝፍለጥ ኩባንያ፡ ዝበዝሕ ጥረ ግብኣቱ ካብ ሩስያ'ዩ ዘምጽእ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ዋጋ ድኹዒ ወሰኽ ክህሉ ገይሩ'ሎ።
ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ፡ ናህሪ ዋጋ ዝበኣሰ ደረጃ ክድይብ ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።
"ነገራት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ይቀያየሩ ኣለዉ፡" ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።
"ቅድሚ እቲ ኲናት'ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ኢና ነይርና። ድኹዒ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዚ ወቕቲ፡ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከጋጥም ምኽኣሉ ድማ ተወሳኺ ምትእጉጓል ኣኸቲሉ'ሎ፡" ክብል'ውን ኣረዲኡ።
ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ዓለም ልዑል መጠን ምህርቲ ሕርሻን መግብን ካብ ዘፍርያ ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ።
ሩስያ፡ ነቶም ኣብ ምፍራይ ዓይነታት ድኹዒ ኣገደስቲ ዝበሃሉ መኣዛታት ['ኑትሪየንትስ'] ፖታሽን ፎስፌይትን ብዝለዓለ መጠን ተፍሪ ሃገር'ያ። ድኹዒ፡ ኣትክልትን ኣዝርእትን ብጽቡቕ ክበቝሉ ይሕግዙ።
"ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና ብሓገዝ ድኹዒ ዝፈረዩ ምግብታት'ዩ ዝምገብ። ስለዚ ድኹዒ ክርከብ እንተዘይክኢሉ ቀረብ መግቢ ብ50 ሚኢታዊት'ዩ ዝንኪ፡" ይብል ሓላፊ ኩባንያ ያራ፡ ስቪየን ቶሬ።
ወሲኹ ቶሬ፡ "ንዓይ ዘተሓሳስበኒ ዘሎ ናብ ዓለማዊ ቅልውላው መግቢ ምእታውና ዘይኰነስ፡ እቲ ቅልውላው ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይኸውን ዝብል'ዩ፡" ክብል ሻቕሎቱ ገሊጹ።
ኣብ ከተማ ኪቭ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ብሚሳይል ምስተወቐዐ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ኩባንያ'ውን ተጸልዩ'ሎ።
እቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደብሩ ኩባንያ፡ በቶም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ ማዕቀባት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ምትእጉጓል ጕዕዞ መራኽብ'ውን ከምዝተሃሰየ ይገልጽ።
ስቪየን ቶሬ ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ መንግስቲ ሩስያ ነተን ድኹዒ ዘፍርያ ፋብሪካታት ናብ ደገ ሰደድ ከይገብራ ኣጊዱ'ሎ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ንመግብነት ዝውዕሉ ፍርያት ንምፍራይ ዝሕግዙ ዓይነታት ድኹዒ እቶም ርብዒ ካብ ሩስያ ዝመጽኡ'ዮም።
እዚ ኵነታት ሓረስቶትን ብንእሽተይ መጠን ዘፍርዩን ናብ ዝለዓለ ወጻኢታት ክቃልዑ ከምዝገብር ተንተንቲ የጠንቅቝ። እዚ ከኣ ዋጋ መግቢ ክውስኽ ክገብር ከምዝኽእል ይሕብሩ።
እዞም ድኹዒ ንምፍራይ ዘድልዩ መኣዛታት ጥራሕ ዘይኰኑስ ጉዳይ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ'ውን ካልእ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኰይኑ'ሎ።
ወሳኒ ከምዝዀነ ዝግለጽ 'ናይትሮጂን' ዓይነት ድኹዒ ንምፍራይ ዝውዕል ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ።
ኩባንያ ያራ ኢንተርናሽናል፡ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ፋብሪካታቱ ዝኸውን ጋዝ ዝበዝሐ ካብ ሩስያ ይረክብ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘጋጠመ ዋጋ ጋዝ ስዒቡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ምህርቱ ንግዚኡ ክንኪ ዝተገደደ ኰይኑ፡ ካልኦት ፋብሪካታት'ውን ብተመሳሳሊ ቀረባት ናብ ዝንክዩሉ ውሳነ ክበጽሑ ተገዲዶም ምንባሮም ይፍለጥ።
ነቲ ኣብ ፍርያት ድኹዒ ዘጋጠመ ምንካይ ስዒቡ ድማ ኣብ ዋጋ መግብታት ወሰኽ ተራእዩ።
ሓላፊ ኩባንያ ያራ ኢንተርናሽናል፡ ስቪየን ቶሬ፡ ዓለም፡ መግቢ ንኸተፍሪ ኣብቶም ብሩስያ ዝቐረቡ ድኹዕታት ጥራይ ክትጽጋዕ ከምዘይብላ የተሓሳስብ።
ክሊማዊ ለውጥን ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ኣብ ቀረብ መግቢ ዓለም ጸገማት ክፈጥሩ ኣብ ዝረኣዩሉ ዘለው እዋን፡ ጉዳይ ድኹዒ ተደራቢ ስግኣት ኰይኑ ምምጽኡ ንብዙሓት ዘሻቐለ ኰይኑ'ሎ።
እቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ዓለማዊ ቀረብ መግቢ ንዘሎ ሰንሰለት ንግዲ ዝጸሉ "መቕዘፍቲ" ከምዝዀነ ስቪየን ቶሬ ይዛረብ።
ብፍላይ ኣብተን ድኻታት ዝበሃላ ሃገራት ከቢድ ጸገም ውሕስነት መግቢ ከኸትል ከምዝኽእል ይሕብር።