እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፋዚያ፡ ብሩስ ዊልስ ስርሑ ጠጠው ከብል ዝገበረ ሕማም ኣፋዚያ እንታይ'ዩ?
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሆሊውድ ኣብ ዘፍረዮም Pulp Fiction ከምኡ'ውን the Die Hard ዝበሉ ዓበይቲ ፊልምታት ዝሰርሐ ውሩይ ተዋሳኢ ብሩስ ዊልስ ካብ ምውሳእ ከም ዝተሰናበተ ተገሊጹ ነይሩ።
ወዲ 67 ዓመት ብሩስ ዊልስ፡ እቲ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ክእለት ዘዳኽም ኣፋዚያ ዝተባህለ ሕማም ኣእምሮ ከም ዘለዎ ስድራ እቲ ተዋሳኢ ገሊጾም።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢንስተግራም ሓበሬታ ዝሃቡ ኣባላት ስድራ፣ በዓልቲ ቤቱ ኢማ ሄሚን-ዊልሰንን በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ዴሚ ሞርን፡ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ሓገዝ ንዝገበርኩምልና ኣድነቕቱ ነመስግን ኢለን።
"ብዙሕ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሩስ፡ ካብቲ ንዕኡ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ሞይኡ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ግዜ ንስድራቤትና ኣዝዩ ፈታኒ እዋን'ዩ፤ ስለዚ ንቐጻሊ ፍቕርኹም፣ ሓልዮትኩምን ደገፍኩምን ንንእድ" ክብሉ ኣብቲ ሓበራዊ መግለጺኦም ጠቒሶም።
መንቀልን ሳዕቤንን ሕማም ኣፋዝያ እንታይ'ዩ?
ኣፋዝያ ብድሕሪ ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም መጉዳእቲ ዝስዕብ ናይ ምዝራብ ጸገም'ዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት ንክዛረቡ ኣብ ዘኽእል ጸጋማይ ክፍሊ [ገሊኦም ኣብ የማናይ ሸነኽ ብዘሎ ይጅምሩ] ሓንጎል እዩ ዘጋጥም።
እዚ ምዝባዕ ጥዕና፡ ብቐንዱ ብወቕዒ ልቢ [ስትሮክ] ዘጋጥም ኮይኑ ብምኽንያት ኣብ ርእሲ ዝበጽሕ ጉድኣት፣ ሕበጥ ርእሲ፣ ኣብ ግድግዳ ሰራውር ደም ዘጋጥም ድኽመት ዝፈጥሮ ምዕባይ ቱቦ ደም [ኣነውሪዝም]፣ ረኽሲ ወይ ካልእ ንተገንዝቦኣዊ ክእለት ሓንጎል ዘጥቅዑ ከም ጽላለ ዝበሉ ሕማማት ዝመጽእ እዩ።
ኣብ ጉዳይ ብሩስ፡ መንቀሊ ጥዕናዊ ጸገሙ እንታይ ምዃኑ እቶም ስድራቤት ኣይገለጹን።
"በሓፈሻ፡ ኣፋዝያ ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝተለመዱ ባህርያት፡ ሓሳብ ናብ ዘረባ ወይ ናብ ናይ ቃላት ጽሑፍ ክልውጡ ምጽጋም፣ ካልኦት ሰባት ዝበሉዎ ነገር ምርዳእ፣ ምንባብን ገለ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ምግባር ክጽገሙ እንከለው'ዩ" ይብል ኣባል ኣካዳሚ ስነ መትኒ ብራዚል በዓል ሞያ ስነ መትኒ ሌናርዶ ቴለስ።
ብዓይነት ሓደ ሕሙም ኣፋዚያ ዝጽገሞን ኣብ ልዕሊ ሓንጎል ዝበጽሐ ጉድኣት ንምፍላጥ ብዝግበር መርመራ ስነ መትንን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣፋዚያ ምህላዎም ምፍላጥ ይክኣል።
1. ሕጽረት ናይ ቃላት ዘስዕብ ኣፋዝያ - Non-fluent aphasia
ነዚ ዓይነት ኣፋዚያ ዘቃልዕ ውቃዕ፡ ቀዳሞት ክፍልታት ሓንጎል ብቐንዱ ድማ ናይ ቅድሚት ከባቢታት የጥቅዕ። እዚኦም ናይ ምዝራብ ቅልጣፈ እጃም ዘለዎም'ዮም።
ብሓፈሻ፡ እዞም ሰባት ዝሰምዑዎ ነገር ምርዳእ ይኽእሉ፤ መብዛሕትኡ ዝዛረቡዎ ሓሳባት ዝተማልአ ስለ ዘይኸውን ግን ንምዝራብ ብዙሕ ይጽገሙ።
2. ዘህውትት ኣፋዚያ - Fluent aphasia
በዚ ዓይነት ሕማም ኣፋዚያ ዝሳቐዩ ሰባት ኣዝዮም ዝተፈለዩ'ዮም።
ኣብ ክንዲ ዝዛረቡዎ ቃላት ምስኣን፡ ዝዛረቡዎ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ትርጉም ዘይብሎም እዮም።
ንኣብነት፡ ኣብ ዝዛረብሉ ግዜ ክትርድኦም ዘይትኽእል ወይ'ውን ዋሕዚ ዘይብሎም መልእኽታት ክኾኑ ይኽእሉ።
ሕክምና
ነዚ ሕማም ዝግበር ሕክምና መንቀሊ እቲ ጸገም እንታይ'ዩ ኣብ ዝብል ዝተሞርኮሰ እዩ።
"መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ሕማም ብወቕዒ ልቢ ዝስዓበ እንተኾይኑ፡ ጎና ጎኒ ጥንካረ ንክረኽቡ ዝግበረሎም ሕክምና ፊዚዮቴራፒ ኣብ ቋንቋ ትኹረት ንክገብሩ ናይ ምዝራብ ሕክምና ይወሃቦም" ትብል ኣብ ርእሰ ከተማ ብራዚል ክኢላ ስነ መትኒ ዶክተር ታስ ኣጉስታ ማርቲንስ።
ነዚ ሕማም፡ ብኣጋ ዝጅመር ክትትል ሕክምና ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓቢራ።