ሰባት ኣብ ኣፍሞት ኮይኖም ሕሉፍ ህይወቶም ቅጅል ይብሎም - መጽናዕቲ

ደቂ ሰባት ኣብ ጻዕረ ሞት እንከለው ብቅጽበት ሕሉፍ ህይወቶም ቅጅል ክብሎም ከም ዝኽእል ዘመላኽት መረዳእታ ከም ዝረኸበ ኣብ ሳይንቲፊክ ‘‘ኣክሲደንት’’ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ነገር ከምዚ እዩ፤ ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ ናይ ሓደ ዘውድቕ ሕማም ዘለዎ ወዲ 87 ዓመት ሰብኣይ ሞገደ-ኣእምሮ (ብረይንዌቭ) ይምዝግብ ነበረ፡፡

ኣብ ሞንጎ እቲ መጽናዕቲ እቲ ተሓካሚ ሃንደበታዊ ሕማም ልቢ የጋጥሞ እሞ፡ እቲ መጽናዕቲ ከይተሓሰበ ኣብ ምሟት ናይ ዘሎ ሓንጎል 'ብረይንዌቭስ' ይምዝግብ፡፡

እዚ ኣጋጣሚ እቲ ሰብኣይ ቅድምን ድሕርን ምሟቱ ኣብ ዝነበሩ 30 ካልኢታት ኣዋድዳ ሞገደ-ኣእምሮኡ (ፓተርንስ ኦፍ ብረይንዌቭስ)፡ ኣብ ሕልሚ ወይ ትዝታ ምስ ዘሎ ኣዋድዳ ሓደ ዓይነት ኮይኑ፡፡

ከምዚ ዓይነት ንጥፈት ኣእምሮ፡ ሰብ ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ ሞት ህሞት ‘‘ሕሉፍ ህይወቱ ከም ዝዝክር’’ ዘመላኽት ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ጉጅለ ተመራመርቲ ኣብ መጽሄት ፍሮንተይርስ ዘውጸኦ ሓበሬታ ይገልጽ፡፡

ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ዝኾነ ዶክተር ኣጅማል ዜማር፡ እቲ ኣብ ቫንካቮር ካናዳ ዝተመዝገበ ሃንደበታዊ ርኽበት፡ ፈላማይ ሓበሬታ ናይ ኣብ ምሟት ዘሎ ኣእምሮ ከም ዝኾነ ገሊጹ፡፡

‘‘ሙሉእ ብሙሉእ ኣጋጣሚ እዩ፤ ነዚ ምርምር ንምክያድ ወይ ነቶም ምልክታት ንምምዝጋብ ሓሳብ ኣይነበረናን’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

እሞ ኣብቲ ህሞት፡ እንፈትዎም ሰባትን ሕጉሳት ተዘክሮታትን ዶ ንዝክር ንኸውን? ንዝብል ሕቶ ግን ምግላጽ ከምዘይከኣል ሓቢሩ፡፡

‘‘ብዓውዲ ፍልስፍና እንተዝርእዮ፡ ኣእምሮና ንድሕሪት እንተተመሊሱ ካብቲ ሕማቕ ነገራት ዝያዳ ነቲ ጽቡቕ ነገራት ዝዝክር ይመስለኒ። እንተኾነ ሓድሕድና እንዝክሮ ነገር ዝተፈላለየ እዩ’’ ክብል ወሲኹ ገሊጹ፡፡

ልቢ ናይቲ ተሓካሚ ናብ ኣእምሮኡ ደም ምድፋእ ቅድሚ ምቁራጹ ቅድሚ 30 ካልኢት፡ መገደ-ኣእምሮኡ ምስቲ ብዙሕ ምግንዛብ ዘድልዮም ከም ብተመስጦ ምሕሳብ፣ ሕልሚ ወይ ተዘክሮ ዝበሉ ንጥፈታት ዝመሳሰል ኣዋድዳ ከምዝነበሮ እዩ ዶክተር ዜማር ዝዛረብ፡፡

እቲ ንጥፈት ድሕሪ እቲ ሰብ ውቅዒት ልቡ ደው ምባሉ( ሞይቱ ዝበሃለሉ ነጥቢ) እውን ን 30 ካልኢት ቀጺሉ፡፡

እቲ መጽናዕቲ፡ ሰብ ሞይቱ ዝበሃል ልቡ ምውቃዕ ደው ምስ ኣበለ ድዩ ወይስ ኣእምሮኡ ምስ ሞተ ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሉ እዩ፡፡

እንተኾነ እቲ ጉጅለ ናይ ሓደ ኣጋጣሚ ወሲድካ ምድምዳም ከምዘይከኣልን ኣብቲ ሰብኣይ ዝነበረ ዘውድቕ ሕማም፣ ሕበጥን መድመይትን ሓንጎልን ንነገራት ከም ዝሓላልኾም ዶክተር ዜማር ሓቢሩ፡፡

ንሱ ድሕሪ ነቲ ኣብ 2016 ዝረኸብዎ ፈላማይ መረዳእታ ዘጠናኽር ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝገበርዎ ፈተነ ከም ዘይሰመረ እውን ገሊጹ፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ 2013 ኣብ ኣናጹ ዝተገበረ መጽናዕቲ ተመሳሳሊ መረዳእታ ሂቡ እዩ፡፡

‘‘ብዛዕባ እዚ አብ ኣፍደገ ሞት ዘሎ ኩነታት ዝኾነ ሚስጢራዊ ወይ መንፈሳዊ ነገር ዘሎ ይመስለኒ’’ ይብል ቀጻሊ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ዝገልጽ ዶክተር ዜማር፡፡