ተማራመርቲ ካብ ህዋ ኮይንካ ሕማም ሸሮኽ ቅድሚ ምኽሳቱ ክፍለጥ ይክኣልዩ ኢሎም

ተመራመርቲ፡ ኣብ ህዋ ዝርከባ ንክሊማዊ ለውጢ ዝከታተላ ሳተላይትን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ተጠቒሞም ሕማም ሸሮኽ ቅድሚ ምጅማሩ ክፈልጥሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ኣተኣታትዮም።

እዚ ርኽብት ህይወት ብዙሓት ሰባት ካብ ለበዳ ሸሮኽ ከድሕን ዝኽልእ ከም ዝኾነ'ውን ብኣግኡ ተስፋ ተነቢርዎ ኣሎ።

ዶክተር ፓውሎ ሲፖሊኒ ኣባል ኣጀንሲ ህዋ ኣውሮጳ ( European Space Agency) ኮይኑ፡ ነዚ ርኽብት "ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ፤ ትርግታ ናይ ዓለምና ከስምዕ ኽእል ድማ እዩ" ኢሉ ኣሎ።

እቲ ዶክተር ብምስዓብ "ኣብ ህዋ ዘላ ሳተላይት ብዛዕባ ለበዳ ሸሮኽ ሓበሬታ ክትህበና ብዙሕ ዝግመት ኣይነበረን። ሕጂ ግን ክውን ኮይኑስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ" ኢሉ።

ተመራመርቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ተጠቒሞም፡ ነቲ ኣብ ገማግም ህንዲ ዝተኸሰተ ሸሮኽ 89 ሚኢታዊት ልክዕነት ዘለዎ ግምቶም ኣስፊሮም ነይሮም እዮም።

እቶም ተመራመርቲ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብተን ንክሊማዊ ለውጢ ክከታተላ ኣብ ህዋ ዘለዋ ሳተላይትን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ተጠቂሞም ሕማም ሸሮኽ ቅድሚ ምኽሳቱ ሓበሬታ ክህቦም ዝኽእል ምህዞ ነዲፎም።

ሕማም ሸሮኽ ማይ ወለድ ሕማም ኮይኑ፡ ሰባት ብቪብርዮ ክሎርያ ዝዓይነቱ ባክቴርያ ዝተበከለ ማይ ምስ ዝሰትዩ ወይ መግቢ ምስ ዝበልዑ ብሕማም ሸሮኽ ክጥቅዑ ይኽእሉ።

እዚ ሕማም ኣብ ትሮፒካላዊ ከባቢታት ዝርከባን ሰብ ብብዝሒ ዝነብረለንን ከባቢታት ብብዝሒ ይርአ።።

ልዕሊ ፍርቂ ካብተን ሕማም ሸሮኽ ዝርኣየለን ሃገራት ኸኣ ምስ ሰሜናዊ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝዳወባ ኮይነን፡ ሓንቲ ካብአን እዚ መጽናዕቲ ዘተኮረላ ሃገረ ህንዲ እያ።

ኣብ ማይ ዝኽሰቱ ለውጥታት ምክትታል

እቶም ተመራመርቲ ካብ ዝተፈላለያ ሳተላይታት ዝተወሰደ ሸውዓተ ዓይነት ኣገባብ ኣተዓቓቕና እዮም ተጠቂሞም።

እቶም ተመራመርቲ ኣብቲ ባክተርያ ብብዝሒ ዝፈርየሉ ውዕይ ዝበለ ጨዋም ማይን ባክተርያታት ንሓድሕዶም ዝተሓሓዝሉ መስርሓትን ይከታተሉ ነይሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ዋዒ ማዕበል ዝርኣየሉ መስርሓትን ነቶም ባክተርያ ካብን ናብን ክወስዶም ዝኽእል ናይ ዝናብ ወቕትን ተኸታቲሎም።

እዚ መስርሕ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዋዒ ማዕበል ነቶም ባክተርያ ኣበይ ይፋረዩ ኣለዉ ንክፈልጡ ክሕግዞም እንከሎ፡ ማይ ምስ ሃረመ ኸኣ ምስ ውሑጅ ተገሪዞም ክሳብ ኣበይ በጺሖም ንኽፈልጡ ዘኽእሎም ኣገባብ እዩ።

ኣሚ ካምፕበል ሓንቲ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ እያ።

"ሓደ ካብቲ ኣብዚ መጽናዕቲ ዝበርሃልና ጨዋምነት ናይ ሓደ ማይ (ቅድምን ድሕርን እቲ ባኽተርያ ክፋረ ምጅማሩ) ኣብቲ ከባቢ ሕማም ሸሮኽ ክኽሰት እኽእል ድዩ ንዝብል እኹል ስእሊ እዩ ዝህብ" ትብል።

ንሳ ብምስዓብ "እዚ ክንፈልጥ ምኽኣልና፡ ኣቐዲምካ ቅድመ ምድላዋት ንኽግበርን ኣብቶም ተኣፈፍቲ ቦታታት ክታበታት ከም ዝውሃብ ንኽግበር ዝሕግዝ እዩ" ኢላ።

ተራ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ሕማም ሸሮክ

እቶም ተመራመርቲ ክቱር ክሊማዊ ለውጢ ዝያዳ ሓደሽቲ ሕማማት ሸሮኽ ንኽልዓሉ ምኽንያት ከም ዝኸውን በዚ ሓዲሽ መጽናዕቶም ኣረጋጊጸምዎ ኣለዉ።

ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ዓመታዊ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከም ዝጥቅዑን ብሰንኪ እዚ ሕማም ዓመታዊ ኣሰትታ 143,000 ሰባት ከም ዝሞቱ የረድእ።

ዝብዝሑ ካብቶም በዚ ሕማም ዝተሓዙ ሰባት ውሑድ ምልክታት ዘርእዩ ኮይኖም ኣብ ገለ ግን ብርቱዕ ውጽኣት ድሕሪ ምስዓብ ኣብ ግዚኡ ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዛት እንተዘይረኺቦም ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰዓታት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም።

ዶክተር ማሪ ፋኒ ራኳልት ኣብ ፒኤምኤል ዝልዓለት ተመራማሪት ኮይና "ህጻናት ዝያዳ ንሕማም ሸሮኽን ንማይ ወለድ ሕማማትን ተቃላዕቲ እዮም፤ ብፍላይ ኸኣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ህጻናት። እዚ ሓዲሽ ኣገባብ ግን ኣቐዲምና ቅድመ ምድላዋት ብምግባር ህይወት ብዙሓት ህጻናት ንኸድሕን ከኽእለና እዩ" ትብል።

እዞም ተመራመርቲ እቲ ኣገባቦም ብፍላይ ቅድሚ ክረምቲ ኣብ ዘሎ ግዜታት 93.3 ሚኢታዊት ልክዕነት ከም ዘለዎ ብምግላጽ ልክዕነቱ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክብ ንኽብል ዝያዳ ምምሕያሻት ከም ዘካይዱ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣሚ ካምፕበል ዝኾነ ሸሮኽ ቅድሚ ምኽሳቱ ምሉእ ንምሉእ ንኸይፈልጥዎ ዝዕንቅጾም ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዘሎ እያ ትገልጽ።

ንሳ "ኣብ ገለ ከባቢታት እኹል ናይ ረሳሕ ማይን ፈሳሲ ጉሓፍን መተሓላለፊ ዘይብሉ ቦታትት ኣሎ። እዚ ሕማም ሸሮኽ ከበግስ ይኽእል እዩ። እንተኾነ እዚ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዝኾነ ምትእስሳር የብሉን። ኣቐዲምና ክንርእዩ ኸኣ ከጸግመና ይኽእል እዩ" ትብል።

ኣሚ ብምስዓብ ከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰሉ ለበዳታት ኣብ ቁጠባ ዘምጽእዎ ጸገማት፡ መንግስታት ብዛዕባ ሕማማት ዝውሃቡ ቅድመ መጠንቀቅታታት ኣቓልቦ ክህብዎ ትምህርቲ ኣቅሲምዎም እዩ ኢላ።

እዚ ካብ ህዋ ኮይንካ ብዛዕባ ክኽሰት ዝኽእል ሕማም ሸሮኻ ምትንባይ ካብ ህንዲ ወጻኢ ኣብ ካልእ ኣይተፈተነን።

እቶም ተመራመርቲ ግን ዋላ እኳ ኣብ ህንዲ ጥራይ ይፈተን ብሰንኪ ጂኦግራፊያዊ ፍልልይ ኣብ ውጽኢቱ ዘምጽኦ ለውጢ ከም ዘየለን ኣብ ህንዲ ዕዉት ምዃኑ ሓደ ዓቢ ዝላ ከም ዝኾነ እዮም ዘብርሁ።

ዶክተር ፖውሎ "ንዓለምና ብምዕዛብ ናብ ማሕበራዊ ረብሓና ከነውዕሎ ኢና፡ ብዓቢኡ በዚ ርኽበት እዚ ተሞርኵስና ዝርገሐ ሕማማት ክንፈልጥን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምልባዕ ሓማማት ዘለዎ ጽልዋ ክንርዳእን ከኽእለና እዩ" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ "እዚ ርኽበት እዚ ንመን እዩ ቀንዲ ዝሕግዝ ኢልና እንተሓሲብና ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ፤ ምኽንያቱ እዚ ቀንዲ ነተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዝያዳ ከርብሕ'ዩ" ብምባል የረድእ።