እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ: ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙኒ ኢላ ክትከስስ ዝኸደት ብፖሊስ ከምዝተደፈረት ተገሊጹ
ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺሙኒ ኢላ ክትከስስ ናብ እንዳ ፖሊስ ንዝመጸት ጓል 13 ዓመት ህጻን ዓሚጹ ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ንምሓዝ ኣለሻ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቲ ፖሊስ ክሲ ከምዝተመስረተሉን ካብ ስርሑ እውን ከምዝተኣገደን ሓላፊ እቲ ኣብ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ዝርከብ ጣብያ ፖሊስ ገሊጹ፡፡
እታ ህጻን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብኣርባዕተ ሰብኡት ከምዝተደፈረት እያ እትኸስስ፡፡
እቲ ዜና ምስተሰምዐ: ኣብ መላእ ህንዲ ጓሂ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ፡፡
ወላዲ እታ ህጻን ናብ ፖሊስ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ኣርባዕተ ሰብኡት ንጓሉ ናብ ግዝኣት ማደያ ፕራደሽ ወሲዶም ንኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝዓመጽዋ ገሊጹ፡፡ ድሕሪኡ ግን ናብ ከባቢኣ ምስመለስዋ ተሰዊሮም፡፡
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ እታ ህጻን ምስ ሓትኖኣ ክሲ ክትምስርት ናብ ጣብያ ፖሊስ ምስከደት ድማ፡ ብሓላፊ ናይቲ ጣብያ ከምዝተደፈረት ኤን-ዲቲ-ቪ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ጸብጺባ፡፡
እቲ ዜና ኣብታ ግዝኣት ብዛዕባ ዘሎ ሕጊ ሕቶታት ክለዓሉ ገይሩ ኣሎ፡፡
ላዕለወይቲ መራሒት ሰልፊ ኮንግረስ ፕሪያንካ ጋንዲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዐቶ ጽሑፍ ‘‘ጣብያታት ፖሊስ ንደቂ ኣንስትዮ ውሑሳት እንድሕር ዘይኮይነን፡ ኣበይ ከይደን ዳኣ ይኸሳ?’’ ክትብል ነቒፋ፡፡
ኣብ 2012 ሓንቲ ጎርዞ ኣብ ከተማ ደልሂ፡ ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ብጉጅለ ካብ እትዕመጽ ንደሓር ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጻትን ገበናትን ኣዘራረብቲ ኮይኖም ጸኒሖም፡፡ እታ ጎርዞ በቲ ዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ንሞት ተቓሊዓ እያ፡፡
ድሕሪ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራራቢ ዝነበረ በደል፡ ኣብ ከተማ ደልሂ ዓበይቲ ሰልፊታት ተቓውሞ ዝተኻየዱ ኮይኖም፡ ህንዲ ከቢድ ዝበሃል መቕጽዒ ሕጊ ጾታ ተኮር ገበናት ክተውጽእ ተገዲዳ፡፡ ኣብ 2020 ድማ ነቶም በቲ ገበን ተሓተትቲ ኮይኖም ዝተረኸቡ ኣርባዕተ ሰባት ብሞት ቀጺዓ፡፡
ኮይኑ ግና እቲ ተሪር ሕጊ ነቲ በብዓልመቱ ኣብ ልዕሊ ብኣሻሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ደው ከብሎ ኣይከኣለን፡፡ ኣብ 2020 ኣብታ ሃገር 28,379 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን ኮይኑ፡ እቲ ኣሃዝ ብማእከላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 18 ደቓይቕ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምእትዕመጽ ዘመልክት እዩ፡፡
እንተኾነ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ እንትፍጸመን ስለዘየመልክታ እቲ ቑጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኸእል ተሓለቕቲ ይሕብሩ፡፡