ኦስካር ደኒስ፡ ኣብ ኢድ ጨወይቲ ካብ ዝኣቱ 600 መዓልታት ዘቑፀረ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስድራቤት ናይቲ ብዓመፅቲ የማናይ-ክንፊ ዝተጨወየ ምኽትል ፕረዚደንት ፓራጓይ ነበር፡ እቲ ፖለቲከኛ ንኽፍታሕ ዝያዳ ፃዕሪ ክግብር ሓቲቶም።
ካብ 2012 ክሳብ 2013 ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ኦስካር ደኒስ ኣብ ኢድ ጨወይቲ ካብ ዝኣቱ 600 መዓልታት ተቖፂሮም ኣለዉ።
ንሱ ኣብ መስከረም 2020 ዝተጨወየ ኮይኑ፡ መላእ ስድራቤቱ “600 ናይ ጭንቀት መዓልታት” ከምዝሓለፉ ጓሉ ቢትሪዝ ትዛረብ።
76 ዓመት ዝዕድሚኡ ደኒስ ኣብ ዝውንኖ ደንበ (ናይ ከብቲ ሕርሻ) እንከሎ ብኣባላት ናይቶም ‘EPP’ ብዝብል ዝፍለጡ ህዝባዊ ሰራዊት ፓራጓይ [Paraguayan People's Army] ተጨውዩ ከምዝተወሰደ ይግለፅ።

‘ኢፒፒ’ እንታይ’ዩ?
- ንእሽቶ ማርክሲስታዊ ዓማፂ ጉጅለ
- ኣብ ፓራጓይ ጭውያን ቅትለትን ብምክያድ ይፍለጥ
- ብምዝውዋር ዕጸ-ፋርስን፡ ኣምሳያ ዝጨወዮም ሰባት ገንዘብ ብምሕታትን ፋይናንሳዊ ዓቕሙ የደልድል

ጓል ናይቲ ኣብ ኢድ ጨወይቲ ዝርከብ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ “ሎሚ መበል 600 መዓልቲ ንዝክር ኣለና” ብምባል፡ መንግስቲ ንወላዲኣ ከፍትሖ ብዘይምኽኣሉ ነቒፋ።
ሓይልታት ፀጥታ ፓራጓይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ዓማፂ ጉጅለ ዓወት ከምዝረኸቡ ምግላጾም ብምዝኽኻር ድማ ነዚ ግን ከምዘይትኣምን ብምኽንያት ኣረዲኣ።
ቢትሪዝ ከምዝበለቶ፡ ‘ኢፒፒ’ ሰባት ምጭዋይ ብምቕጻል ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ ሰለስተ ሰባት ወሲዶም’ዮም። ካብቶም ሰለስተ እቶም ክልተ ከኣ ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ጠቒሳ።
ነቲ ሳልሳይ ግዳይ መጭወይቲ ዝነበረ ጡረተኛ መምህር ካርሎስ ጎንዛሌዝ፡ ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ መልእኽቲ ኣትሒዞም ሰዲዶምዎ።
ንሱ ካብ ዓመፅቲ ‘ኢፒፒ’ ዝተውሃቦ መልእኽቲ ናብ ፖሊስ ከብፅሕ ከሎ፡ ደሃይ ካርመን ኤልዛቤት ኦቪየዶ ቪላልባ ዝተብሃለት ጓል ክልተ መራሕቲ እቲ ጉጅለ እንተተነጊርዎም፡ ንሳቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ነበርን ኣብ 2014 ዝጨወይዎ ኣባል ፖሊስን ሓበሬታ ንምሃብ ድልዋት ከምዝኾኑ’ዩ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ሊቺታ ብዝብል እትፍለጥ ኣብ ዓሰርተታት ዕድመ እትርከብ ጓል መራሕቲ እቲ ጉጅለ ዓመፅቲ ብ30 ሕዳር 2020 ነይሩ ደሃያ ዝተስኣነ። ብሰራዊት ፓራጓይ ተኣሲራ ከምእትኸውን ከኣ ይእመን።
ሊቺታ፡ ናይቶም ብፈተነ ቅትለትን ጨውያን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎም ኣብ ቤት ማሕዩር ዝርከቡ ኣልሲደስ ኦቪየዶን ካርመን ቪላልባን ዝብሃሉ መራሕቲ ናይቲ ጉጅለ ‘EPP’ ጓሎም’ያ።
ንሳን ካልኦት ክልተ መናቱ ኣሓታን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተወሊደን ግን ድማ ኣብ ኣርጀንቲና ምስእትነብር ኣሞአን ዓብየን።
ሊቺታ ኣብ ፓራጓይ ናብ ዝርከብ መዓስከር ዓመፅቲ ‘EPP’ ምብፃሕ ጌራ ተመሊሳ ናብ ኣርጀንቲና ክትሰገር ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ደሃያ ምጥፍኡ ይግለፅ።
ቤትሪዝ ደኒስ (ጓሉ ነቲ ኣብ መጭወይቲ ዝርከብ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር) ምስቶም ዓመፅቲ ሓበሬታ ንምቅይያር ድውልቲ ከምዝኾነት ተዛሪባ’ላ።
“ደሃይ ኣቦይ ንምርካብ ኣብ ኣለሻ ኣለና፤ ንሊቺታ ‘ውን ንደልያ ኣለና። ምኽንያቱ ካብ ሓደ ስድራ ሓደ ሰብ ክጠፍእ ከሎ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ንግንዘብ ኢና” ክትብል ንሓደ መደብር ሬድዮ ገሊጻ።
“[እቶም ዓመፅቲ] ነቦይ እንታይ ከምዝገበርዎ ክነግሩና ንደልይ ኢና። ኣበይ እዩ ዘሎ” ክትብል’ውን ሓቲታ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







