ጥዕና፡ ብሓደ እግራ ማራቶን ዝጎየየት ጃኪ ሃንት-ብሮርስማ ክብረ ወሰን ዓለም ሓሊፋ

ብሓደ እግራ ማራቶን ዝጎየየትጃኪ ሃንት-ብሮርስማ ክብረ ወሰን ዓለም ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, JACKY HUNT-BROERSMA

ብሰንኪ መንሽሮ ጸጋማይ እግራ ምስ ስኣነት ጉያ ዝጀመረት ጓል ኣንስተይቲ ብተኸታታሊ ኣብ ውድድራት ማራቶን ብምጉያያ ናብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም [ጊነስ ወርልድ ሪከርድስ] ሓሊፋ።

ጓል 46 ዓመት ጃኪ ሃንት-ብሮርስማ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ መዓልታዊ 42.1 ኪሎ ሜትሮ ክትጎዪ ጸኒሓ፤ እዚ ኣብ ንቡር ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወስድ እዩ።

ብቀዳም፡ ንመበል 104 ግዜ ማራቶን ብምጉያይ ብመዝገብ ክብረወሰን ዓለም ኣፍልጦ ዘውህባ ውጽኢት ኣመዝጊባ ኣላ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል እዚ ክብረወሰን መረጋገጺ ንምሃብ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ተቐማጢት ኣሪዞና ዝኾነት ጃኪ "ነዚ ብምፍጻመይ ብገለ ሸነኽ ኣዝየ ሕጉስ ኮይነ፤ ብገሊኡ ክኣ ጉያ ክቕጽል ኣለኒ ይብል" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ጃኪ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትውለድ እንከላ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ኔዘርላንድን ዓብያ። ጉያ ክኣ፡ ኣብ ህይወታ ተመሊሳ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ነብሰ ምትእምማን ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ።

ኣብ 2002፡ ሓካይም ኔዘርላንድ 'Ewing's sarcoma' ዝተባህለ ብሰፊሑ ዘይርኣይ መንሽሮ ዓጽሚ ከም ዘለዋ ፈሊጦም።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ህይወታ ንምድሓን ጸጋማይ እግራ ቖሪጾምዎ። ሽዑ ጓል 26 ዓመት እያ ነይራ።

"ጕያ ጕያ እዩ ነይሩ፤ ኩሉ ብሓንሳዕ እዩ ኣጋጢሙ" ትብል።

ኣብ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ጃኪ ኣብ ህይወታ ምስ ዘጋጠመ ለውጢ ክትቃለስን ክትጽገምን ጸኒሓ።

ብሕማም መንሽሮ ተጠቃዒት ምዃና ካብ ካልኦት ዝተፈለየት ኮይኑ ክስምዓ ስለ ዝገበረ ትቑጣዕ።

ሰባት እቲ ሰብ ሰርሖ እግራ ንከይርእዩዎ ክኣ ነዊሕ ስረ ትኽደን። ኣብ 2016 ግን ጉያ ጀሚራ።

ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ውድድራት ንበዓል ቤታ ደጊፋ ትዕደም ነይራ፤ ንሳ ግን ከምኡ ክገብር ይኽእል እየ ኢላ ሓሲባቶ ኣይትፈልጥን።

ድሕሪኡ፡ ንናይ ነዊሕ ርሕቐት ጎየይቲ ዝኸውን ፍሉይ ሰብ ሰርሖ እግሪ ገዚኣ ኣብ ህይወታ ንመጀመርታ ግዜ 10 ኪሎ ሜትር ክትጎዪ ጀሚራ።

ኣብ ድሮ እቲ ውድድር፡ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ክትወዳደር ወሲና፤ ድሕሪኡ ገጻ ንድሕሪት መሊሳ ኣይትፈልጥን። ነዊሕ ርሕቐትን ፍልይ ዝበሉ ውድድራትን እናኣተወት ክትሳተፍ ጀሚራ።

"ንነብሰይ ናብ ዝኾነ እየ ዘእትዋ። ዝኾነ ዶብ ምድፋእን ክንደይ ዝኣክል ክደፍእ ከም ዝኽእል ምርኣይን ይፈቱ'የ" ትብል።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ጃኪ ንነብሳ ሓድሽ ሸቶ ኣቐሚጣትሉ። እዚ ብተኸታታሊ ዝምዝገብ ዝበዝሐ ማራቶን ዝብል እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ 95 ግዜ ዝጎየየት ኣሊሳ ኣሞስ ክላርክ ኣብቲ መዝገብ ክብረወሰን ሰፊራ እያ። ንሳ ጉያ ሓደ ካብቶም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ጸቕጢታት እትሓልፈሉ መገዲ ገይራ ብምርኣይ እያ ትጎዪ ነይራ

እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተትሓዘ ክብረወሰን ጣልያናዊ ኢንዞ ካፖራሲ ኮይኑ፡ 59 ግዜ ማራቶን ጎይዪ።

ኣሰልጣኒት ኣካላዊ ብቕዓትን ኣደ ክልተ ቖልዑን ዝኾነት ጃኪ ድማ፡ መዓልታዊ ናይ ማራቶን ርሕቐት ዘለዎ ክጎዪ ይኽእል እየ ብዝብል ክትጎዪ ጀሚራ።

ኣብቲ ፍሉጥ ቦስተን ማራቶን ተወዳዲራ እያ፤ ግን ክኣ ውድድራት ማራቶን መዓልታዊ ዝግበሩ ስለ ዘይኮኑ ኣብ ኣሪዞና ኣብ ዘለው መጉየዪ ትራካት፣ ኣብ ገዝኣን ትጎዪ።

ብሪጣኒያዊት ጎያዪት ኬት ጃይደን 101 ግዜ ብምጉያይ እቲ ብኣሊሳ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ምስ ሰዓረቶ፡ ጃኪ ነዚ ንምስዓርን "ወርሒ ሚያዚያ ናይ መወዳእታ ማራቶን ብምጉያይ" ንኽትዛዝሞ ብተኸታታሊ ክትጎዪ ጸኒሓ።

ኩሎም 4,399 ኪሎ ሜትር ከምዝጎየየት እዮም ዝዛረቡ። ዓለምለኸ መዝገብ ክብረወሰን ድማ እቶም ዝቐርቡ መረዳእታትን ተመዝጊቡ ዝብሃል ክብረወሰንን ንምጽራይ ካብ 12 ክሳብ 15 ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእል ንኤፒ ገሊጹ።

ጃኪ፡ መዓልታዊ ክትጎዪ እንከላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትልጥፎ ስለ ዝነበረት ንኸምኣ ዝበሉ ሰባት ሰብ ሰርሖ እግሪ ንዘቕርብ ንትርፊ ዘይቖመ ትካል 88 ሽሕ ዶላር ኣተኣኻኺባትሉ እያ።

"ጉያ ኣብ ጥዕና ኣእምሮይ ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኡ'ዩ፤ ክንደየናይ ጠንካራ ክኸውን ከም ዝኽእል'ውን ኣርእዩኒ'ዩ። መን ምዃነይን ከበድቲ ነገራት ክገብር ከም ዝኽእልን እውን ኣርእዩኒ'ዩ" ኢላ።

እዚ ቀጻሊ ከም ዝኾነ ገሊጻ፤ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ 386.2 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ኣብ ኡታህ ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ እያ።