እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ብ1945 ካብ ኢጣልያዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝተሰረቐ ኬክ መሊሱ
ኣብ 1945፡ ሜሪ ሚዮን ገና ጓል 13 ዓመት ቈልዓ እያ ነይራ። ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዕለተ ልደታ ኣብ ዝነበረት ለይቲ፡ ምስ ኣደኣ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታአን እንከለዋ እቲ ውግእ ተጀሚሩ።
ወተሃደራት ኣመሪካን ጀርመንን፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገጠር ውግእ ከፊቶም። እታ ዓዲ ቪሴንዘ ትብሃል፤ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ዓዲ እያ።
ሜሪ፡ ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ ሳን ፒትሮ እቲ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ኣመሪካን ጀርመንን ዝተላዕለ ውግእ ትርእዮ ነይራ።
ግን ከኣ፡ ኣደ ሜሪ ንጓላ ክተሕጕስ ስለ ዘለዋ፡ መዓልቲ ልደት ጓላ እትዝክረሉ ኬክ ሰሪሓ።
እቲ ኬክ ግን ተሰሪቑ። ንምርካቡ ዝተገብረ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣይሰለጠን፡ ተሳኢኑ፤ ዝጠመዩ ሰባት ወሲዶምዎ ተባሂሉ።
ሜሪ ሚዮን ኬክ ዕለተ ልደታ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ካልኣይ ኲናት ዓለም'ዩ ተሰሪቑ።
መወዳእትኡ፡ ገለ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዝሰረቑዎ ተፈሊጡ።
ሎሚ ድማ፡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ነቲ ቅድሚ 77 ዓመታት ካብዛ ኢጣልያዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝሰረቑዎ ኬክ ዕለተ ልደት ንዝግባኦ መሊሱ'ሎ።
ሜሪ ሚዮን፡ ሎሚ መበል 90 ዓመታ ተኽብር ኣላ። እቲ ሕጂ ሰራዊት ኣመሪካ ዝመለሶ ኬክ ድማ፡ ምስ ኣዝማዳ ከም እትካፈሎ ተዛሪባ።
"ፈጺመ ዘይርስዖ ፍሉይ መዓልቲ እናዘከርና ምስ ቤተሰበይ ክንበልዖ ኢና" ኢላ።
ሰራዊት ኣመሪካ እቲ ኬክ ትማሊ ኣብ ቪሴንዘ ምስ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣመሓደርቲ እቲ ከባብን ነበርትን ብምዃን'ዩ ንሜሪ ሚዮን ኣብጺሑላ።
ሰርጀንት ፒተር ዋሊስ: ዝተሰረቐ ነገር ምምላስ ቅሩብ "ዘይተለመደ ነገር እዩ" ግን "ጽቡቕ ስምዒት ክስምዓኒ ገይሩ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብቲ ምድላው ዝተረኸበ፡ ኣብ ኢጣልያ ኮማንደር ሰራዊት ኣመሪካ ጋሪሶን ኮሎኔል ማቲው ጎምላክ፡ ብ1945 ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሓይልታት ጀርመንን ውግእ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ግዜ ብውሑድ 19 ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ዝሞቱን ከም ዝቘሰሉን ከምኡ'ውን ብርክት ዝበላ ታንክታት ኣመሪካ ከም ዝዐዓነዋን ገሊጹ።
ኢጣልያውያን ነበርቲ እቲ ከባቢ ንወተሃደራት ኣመሪካ ወይንን ሕብስትን ኣቕሪቦምሎም እዮም።
"እቲ ሽዑ ህዝቢ ቪሴንዘ ዘርኣዮ ምውቕ ሓልዮት ሕጂ'ውን ቀጺሉ ኣሎ" ኢሉ፡ ኮሎኔል ጎምላክ።