እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ውድድር ምብላዕ ኬክ ህይወታ ሓሊፉ
ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ሰበይቲ፡ ኣብ ውድድር ብብዝሒ ምብላዕ ኬክ ትሳተፍ ኣብ ዝነበረትሉ ብዘጋጠማ ሓደጋ ሞይታ።
እቲ ናይ ኬክ ምብላዕ ውድድር፡ ሃገራዊ መዓልቲ ኣውስትራልያ ንምጽምባል ካብ ዝተሰርዑ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኮይኑ፤ እታ ጓል 60 ዓመት፡ ኣብ መንጎ እቲ ውድድር ምንፍርፋር ከም ዘጋጠማ ተገሊጹ።
ቅድሚ እቲ ስሩዕ ውድድር ተነሓናሕቲ፡ ላሚንገተን ዝበሃል፡ ብቸኮሌተን ኮኮናትን ዝተሰርሐ፡ ባህላዊ ኬክ ብፍጥነት እናበልዑ ተሳኢሎም እዮም።
እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ፡ ኣብቲ ቦታ ቀዳማይ ረድኤት ተገይሩላ ናብ ሆስፒታል እናተወሰደት፡ ክትድሕን ኣይከኣለትን።
እታ ሰበይቲ ሓደ ኬክ ምስ ኮለሰት እቲ ሽግር ከም ዘጋጠማ መሰኻኽር ሓቢሮም።
እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ፡ እቶም ተወዳደርቲ ምስቶም ተዓዘብቲ እናኣውክዑ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።
ነቲ ውድድር ዘእንግድ ዝነበረ ሆቴል፡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ንስድራን መቕርብን እታ ስማ ዘይተቐሳ ግዳይ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።
ኣብቲ ኣውሮጳውያን ናብ ኣውስትራልያ ንዝኣተውሉ መዓልቲ ዝጽምብል በዓል፡ ሃገራዊ መዓልቲ ኣውስትራልያ፡ ውድድራት ምብላዕ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ዝበዝሐ ዝበልዐ ተወዳዳሪ ድማ ተዓዋቲ ይኸውን።