ክልተ ኣሕዋት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዓወትቲ 'ጎት ታለንት' ኮይኖም

ክልተ ኡጋንዳውያን ኣሕዋትት ፈላሞት ተዓወትቲ ውድድር ተውህቦ ምብራቕ ኣፍሪቃ [ጎት ታለንት'] ኮይኖም።

እቲ ውድድር ተነሓናሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ተሳቲፎምሉ ተባሂሉ።

ኢስተር ሙተሳሲራን ኢዝቅኤል ሙተሳሲራን ዝተብሃሉ እዞም ኣሕዋት፡ ናይዚ ፈላማይ ውድድር ተዓወትቲ እንትኾኑ፡ ብሓፈሻ 50 ሺሕ ናይ ኣመሪካ ዶላር ተሸለምቲ ኮይኖም።

ኣብቲ ውድድር ሽድሽተ ተነሓናሕቲ ናብ መወዳእታ እንክበጽሑ፡ ናብ ሎሚ ዘጽብሕ ለይቲ እቲ ውድድር ተዛዚሙ።

እተን ዝተረፈ ካልኦት ናብ መወዳእታ ዝበጽሐዓ ተነሓናሕቲ፡ ክልተ ካብ ኬንያ፣ ሰለስተ ካብ ኡጋንዳ ሓንቲ ድማ ካብ ርዋንዳ እየን።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ ብትዊትሩ ገጹ ኣቢሉ ነተን ተዓወትቲ ናይ ሓጎስ መልእኽቲ ልኢኹለን።

እቲ ውድድር በቲ ፍሉጥ ኣካል እንግሊዛዊ ሳይሞን ኮወል ዘካይዶ 'Got Talent' [ጎት ታለንት] ብዝብል ዝፍለጥ ውድድር እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዝርከብ ጸዋታ ከበሮ ብሩንዲ፡ ኣብቲ ውድድር ሕጋዊ ብዘይኾነ መገዲ ቀሪቡ ብዝብል ከካትዕ ጸኒሑ ነይሩ።

ኣብዚ ዞባዊ ውድድር ኬንያ፣ ኡጋንዳ፥ ሩዋንዳን ታንዛንያን ጥራሕ እየን ዝሳተፋ ዘለዋ።