ማናቱ ኤርትራውያን ሞዴላት ሄሮዳን ሄርሞንን ኣብ ዓውዲ ፋሽን ንዘሎ ብድሆታት ስዒረን እየን

ሄሮዳ ብርሃነን ሄርሞን ብርሃነን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኸዳ ከለዋ ሞዴላት ናይ ምዃን ሕልሚ እኳ እንተነበረን፡ ብተደጋጋሚ ዝቕበለን ስኢነን እየን። ሎሚ ከዋኽብቲ ኮይነን ኣብ መላእ ዓለም ይዞራ ኣለዋ። ኣሰረን ክስዕብ ንዝደሊ ድማ ምኽሪ ኣለወን።