ማናቱ ኤርትራውያን ሞዴላት ሄሮዳን ሄርሞንን ኣብ ዓውዲ ፋሽን ንዘሎ ብድሆታት ስዒረን እየን

መግለጺ ቪድዮ, ማናቱ ኤርትራውያን ሞዴላት ሄሮዳ ብርሃነን ሄርሞን ብርሃነን ኣብ ዓውዲ ፋሽን ንዘሎ ብድሆታት ንምስዓር ኣንቂደን እየን።

ሄሮዳ ብርሃነን ሄርሞን ብርሃነን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኸዳ ከለዋ ሞዴላት ናይ ምዃን ሕልሚ እኳ እንተነበረን፡ ብተደጋጋሚ ዝቕበለን ስኢነን እየን። ሎሚ ከዋኽብቲ ኮይነን ኣብ መላእ ዓለም ይዞራ ኣለዋ። ኣሰረን ክስዕብ ንዝደሊ ድማ ምኽሪ ኣለወን።