እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወዲ 13 ዓመት ታይላንዳዊ ተጓሳጢ ብምኽንያት ውድድር ጉስጢት ሞይቱ
ወዲ 13 ዓመት ሰገን ተወዳዳሪ ጉስጢት፡ ብምኽንያት ውድድር ጉስጢት ምሟቱ ስዒቡ፡ ታይላንድ ናይ ህፃናት ውድድር ጉስጢት ንክትእግድ ይሓቱ ኣለዉ።
ኣኑቻ ኮቻና፡ ሓደ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ኣብ ሓንጎሉ ብዘጋጠሞ መድመይቲ፡ ንክልተ መዓልታት ሕክምና ዋላ እኳ እንተተኸታተለ፡ ካብ ሞት ግና ክተርፍ ኣይከኣለን።
ኣባላት ካልእ ተወዳዳሪ ጉጅለ ከምዝገለፅዎ፡ እቶም ሰገናት ኣብ ግዜ ውድድር ካብ ሓደጋ ዝከላኸለሉ ዕጥቂ ኣይገበሩን ነይሮም።
ብምኽንያት እዚ ድማ ኣብ እዋን እቲ ውድድር፡ ርእሱ ከምዝተወቕዐ ተረጋጊፁ እዩ።
ኮቻና ስድርኡ ንምሕጋዝ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት እንከሎ ጀሚሩ፡ 170 ግጥማት ጉስጢት ኣካይዱ እዩ።
'ሟይ' ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉስጢት ታይላንዳውያን፡ ኣብታ ሃገር ብስፍሓት ዝፍለጥ እንትኸውን፡ ብዙሓት ተጋጠምቲ ድማ ስድርኦም ንምሕጋዝ ከም ፍልፍል ገንዘብ ይጥቀምሉ።
ይኹን'ምበር፡ እዚ ስፖርት ንምክያድ ዘኽእል ሕጊ ክፍተት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ይግለፅ።
ድሕንነት ህፃናት ንምሕላው ክበሃል እዚ ውድድር ክእገድ ኣለዎ ዝብሉ ታይላንዳውያን ቁፅሮም ውሑድ ኣይኮነን።
ብመሰረት እዚ ድማ ቤትምኽሪ ታይላንድ፡ ትሕቲ 12 ዓመት ንዝግበር ጉስጢት ንምእጋድ ነቲ ዘሎ ሕጊ የፅንዖ ኣሎ።
ሞት እዚ ሰገን ንብዙሓት ታይላንዳውያን ዘሕዘነ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ፤ ብርክት ዝበሉ ስሙያት ተጓሰጥቲ እውን ሓዘኖም ገሊፆም።
በዓልመዚ ስፖርት ታይላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውፅኦ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ ኣብታ ሃገር ዕድሚኦም ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰገናት ተጓሰጥቲ ተመዝጊቦም እዮም።
ኣብዚ ጉዳይ ጎስጓስ ዘካይዱ ጉጅለታት ግና፡ ኣብዚ ውድድር ንምስታፍ እቲ ዝተሓተ ዕድመ 18 ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
ቅድሚ ሞት ኣኑቻ፡ ካልእ ጣልያናዊ ተጓሳጢ ክርስቲያን ዳጊኦ፡ ኣብ ውድድር ህይወቱ ምሕላፉ ይዝከር።