እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይላንድ ንጉሳዊ ስርዓት ንደተ-ሬሳ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝሞቱ ንጉሳ ተፈፅም ኣላ
ታይላንዳውያን ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልታት ንዝካየድ ስርዓተ ቀብሪ ንጉሶም፡ ነቲ ቀንዲ ስርዓት የፈፅሙ ኣለው።
እቶም ኣዚዮም ስሙይ ዝኾኑ ንጉስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድሚኦም እዮም ዓሪፎም።
እቲ ብቡድሂስት ዝተለመደ ሰፊሕ ሰርዓተ-ቀብሪ፡ ቅድሚ ናብቲ ሬሳ ዝቃፀለሉ ቦታ ምብፅሑ፡ ካብ ቤተ-መንግስቲ'ዩ ተበጊሱ።
ሬሳ እቶም ንጉስ ድማ ብመሪሕነት ወዶም ንጉስ ማሃ፡ ሎሚ ሓሙስ ክቃፀል'ዩ። እቲ ስርዓተ-ቀብሪ ትማሊ'ዩ ብዕሊ ተጀሚሩ።
ዓበይቲ ህንፃታት ባንኮክ ብብጫ ዕምበባታት ክጋየፁ እንትግበር፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ዜጋታት ናብ ጎደናታት ወፂኦም።
እዚ 14 ቶን ዝኽብደቱ ገዚፍ ሰረገላ፡ ካብ መበል 18 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ኣብ እዋን ስርዓተ-ቀብሪ ክወጽእ ጸኒሑ። ብ200 ወታሃደራት ድማ ይጉተት።
እዚ ዝፍፀም ዘሎ ስርዓተ-ቀብሪ፡ ካብ መላእ ታይላንድ ክሳብ 250 ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉዎ ይእመን።
መብዛሕቲኦም ኣቐዲሞም እዮም ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር-ባንግኮክ ኣትዮም።
'ንታይላንዳውያን ከም ዓብዪ ኣጋጣሚ'
ትንተና ጆናታን ሄድ - ባንኮክ
ክልተ ዝተፈላለዩ ዝኽርታት ብሓባር ዝካየዱ ዘለው እዩ ዝመስል።
ብወታሃደራዊ ስርዓት ዝተዓጀበ ቀብሪ፡ ወዶም ንጉስ ማሃ፡ ቤተሰቦም፡ ሰራሕተኛታት ቤተ-መንግስቶም፡ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣንን ተረኺቦምሉ'ለው።
ፀሊም ክዳን ዝተኸደኑ ታይላንዳውያን ንዝፈትውዎ ንጉሶም ብኽብሪ እናፋነው እዮም። ሬሳ እቶም ንጉስ ክነድድ እንከሎ እዩ ቀባሪ ኣምሪሩ ዝሓዝን።
እዚ፡ ንታይላንዳውያን ዓብዪ ሃገራዊ ኣጋጣሚ እዩ። ይፈልጥዎ'ውን እዮም። እቶም ንጉስ ሃገሮም ናብ ዘመናዊ ብራኸ ኣብ ዝገበረቶ ጉዕዞ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም። ንይላንዳውያን ብዘይ እዞም ንጉስ ንሃገሮም ክርእዩዋ ዝኸብዶም ይመስል።
ሎሚ ሓሙስ ካብ ስራሕ ዝዕረፈሉ መዓልቲ ክኸውን ተኣዊጁ እዩ። ዝበዝሑ ትካላት ንግዲ፡ ሙሉእ መዓልቲ እንትዓፅዉ ገሊኦም ድሕሪ ቀትሪ ክዓፅው እዮም።
ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብን፡ ካብ 40 ሃገራት ዝመጽኡ ወከልቲ ሃገራትን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከምዝሳተፉ ይግለፅ።
ንጉስ ማሃ ድማ፡ ንሬሳ ወላዲኡ ቀዲሙ ብሓዊ ክናኽሶ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ተረፍ እቲ ሓዊ ዝኾነ ኣካል ተኣኪቡ፡ ፅባሕ ዓርቢ ናብ ዝዓርፈሉ ቦታ ይውሰድ።
ብድሕሪ እውን እቲ ስርዓተ ቀብሪ ዝቕፅለሎም ተወሰኽቲ ክልተ መዓልታት ይህልዉ።
ፖለቲካዊ ፈተናታትን ተደጋገምቲ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲን ምፅዋሮም፡ ኣብ ልቢ ዜጋታት ሃገሮም ቦታ ክሕዙ ኣኽኢልዎም።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝዓርፉ ንደሓር፡ ታይላንድ ኣብ ሓዘን'ያ ፀኒሓ።
ኣብዚ ሰሙን ንዝፍፀም ስርዓት፡ ዳርጋ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ቅድመ-ምድላው ተገይሩ። ቀብሮም ዝፍፀመሉ ቦታ'ውን ብዝተፈላለዩ ቅርፃታት ወቂቡ'ሎ።
ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ንዝርከቡ ኣካላት እውን ሕግታት ወፂኦም እዮም። ንንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ምፅራፍ ካብ ሞንጎ ከበድቲ ገበናት ሓደ እዩ።
ገለ መንገድታት ከተማ ባንኮክ እንትዕፀዉ፡ ልክዕ ከም ታይላንዳውያን ፀሊም ክዳን ክኽደኑ ዘይተገደዱ በፃሕቲ ዓዲ ግን ክብሪ ዝገልፅ ክዳን ክኽደኑ ተሓቲቶም።