እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ነውራም’ ሕብስቲ ዝሰርሐት ግብጻዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ
ሓንቲ ግብጻዊት “ነውራም” ሕብስቲ (ኬክ) ሰራሓ ብዝብል ንሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ሕብስቲ ብናይ ብልዕቲ ቅርጺ ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ፍሉይ ናይ ስፖርት ክለብ ዝተኻየደ ናይ ልደት ጽምብል’ዩ ቀሪቡ።
ስእሊ ናይቲ ሕብስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምልብዑ፡ እታ ዝሰርሓቶ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትያ። ጺኒሓ ግን 319 ዶላር ብምኽፋል ብዋሕስ ወጺኣ። እቶም ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ ዕዱማት’ውን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምዝኽእል ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሓደ እስላማዊ ሃይማኖታዊ ኣካል ከምዚኦም ዓይነት ፍርያት ብእስላም ክልኩላት ምዃኖም ኣጠንቂቑ’ሎ።
እቲ ‘ሳር ኣል ኢፍታእ’ ዝተባህለ ኣካል ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጾታዊ ምልክታት ዘለዎም ፍርያት “ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ክብርታት ዝግበር መጥቃዕትን ምስርጣይ ሕብረተሰብን” ክብል ኮኒንዎ።
ሚኒስትሪ ስፖርትን መንእሰያትን ብወገኑ፡ ንተራ ናይቲ ነቲ ጽምብል ዘአንገደ ክለብ ክምርምሮ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።
ጠበቓ ሰባዊ መሰላት ዝኾነ ነጋድ ኤል ቦራይ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ስጉምቲ ዘረጋግጾ እንተሎ “ግብጻዊ ክብሪ ስድራቤት ብዝብል ጉልባብ ንውልቃዊ ሓርነታት ንምልጋስ ዝደሊ ብመንግስቲ ዝተደገፈ ክፋል ሕብረተሰብ” ኣሎ ክብል ነቒፉ።
ንሱ፡ ነቲ ግብረመልሲ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ግብጻውያን ዝቐርብ ምስ ናይ ’ቲክቶክ’ ቪድዮታት ዝተሓሓዝ ናይ ሞራል ገበናት የተኣሳስሮ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ግብጺ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽልዋ ዘለወን መንእሰያት ዝተበየነ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ሰሪዝዎ ነይሩ።
ጓል 20 ዓመት ሓኒን ሖሳምን ጓል 22 ዓመት ማዋዳ ኣል ኣድሃምን፡ “ንኽብርን መትከላትን ስድራቤት ዘነኣእስ” ተግባር ፈጺመን ብዝብል ከምኡ’ውን “ነውራም” ስእልታትን ቪድዮታትን ኣውጺእክን ብዝብልን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ተፈሪደን።
ድሕሪ’ውን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ብንግዲ ደቂ ሰባት ከሲሶም፡ ኣብ ቀይዲ ክጸንሓ ኣዚዞም። ሓደ ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ’ውን፡ ንካልኦት ንኣሽቱ ኣዋልድ ከምኡ ክገብራ ኣተባቢዐን ዝብል ክሲ ኣቕሪቡለን።
ጠበቕአን ግን፡ ኣንጻር እቲ ዝቐረበለን ክሲ ይግባይ ክብል ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።