እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጄርያ ናይ ህጻናት ወሲብ ዘርእይ ቪድዮ ንዘባጽሑ ብማእሰርቲ 14 ዓመት ክትቀጽዕ እያ
ናይጄርያውያን ህጻናት ተምሃሮ ጾታዊ ርክብ እንትፍጽሙ ዘርእይ ሓደ ቪድዮ ብበዝሒ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ተመሳሳልቲ ቪድዮታት ምብጻሕ 14 ዓመት ዘእስር ገበን ከምዝኸውን ናይጄርያ ኣጠንቂቓ፡፡
እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብበዝሒ ክባጻሕ ዝቐነየ ቪድዮ፡ ተምሃሮ ሓደ ፍሉጥ ቤት ትምህርቲ ናይጄርያ ናብ ዱባይ ኣብ ዝተጉዓዙሉ እዋን ከምዝተወሰደ ጸብጸባት ይሕብሩ፡፡
ሓንቲ ኣዶ ድማ 10 ዕድሚኣ ጓላ ኣብቲ ተግባር ክትሳተፍ ከምዝተገደደት ትዛረብ።
ምምሕዳር ከተማ ሌጎስ ነቲ ‘‘ጾታዊ ዓመጽ ዝተባህለ ክሲ’’ ንምጽራይ እቲ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ኣዚዙ ኣሎ፡፡
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቶም ተባዕትዮ ተምሃሮ ንጓላ ብመዐወኒ እጽ ከምዝመረዝዋ እትገልጽ እታ ኣዶ ንሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ነቲ ገበን ብምሽፋን ከሲሳቶም፡፡
ብዙሓት ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዘመሓድር ክሪስላንድ ስኩልስ ግና ነቲ ክሲ ብምንጻግ ነቲ ጉዳይ ብጥቡቕ ከምዝሕዞን ኣብ ዝካየዱ ምርመራታት ከምዝተሓባበርን ገሊጹ፡፡
እቶም ተምሃሮ ንስፖርታዊ ውድድር ከምዝኸዱ ዝገልጽ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ዘርኣይዎ ጉድለት ስነ ምግባር ንወለዶም ከምዘፍለጠን ነቶም ተምሃሮ እውን ብመሰረት ሕጊ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝቐጸዖምን ኣፍሊጡ፡፡
ኣዶ ናይታ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸማ ዝተገለጸ ጓል 10 ዓመት ተምሃሪት ግና ኣብ ፈለማ ክብደት እቲ ተግባር ከምዘይተነገራን፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዘውር ዝቐነየ ቪድዮ ካልእ ሰብ ከምዝሓበረላን ገሊጻ፡፡
ብድሕሪኡ ንጓላ ኣብ ዝሓተተትሉ ድማ ብዛዕብኡ ከይትዛረቢ ከምዝተባህለት ገሊጻትለይ ኢላ፡፡
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ነቲ ቤት ትምህርቲ ምሕታት ምስጀመረት፡ ጓላ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝተሰጎገት እውን ገሊጻ፡፡
ኣመሓደርቲ ሌጎስ እታ ህጻን እኹል ሕክምናውን ስነ ልቦናውን ሓገዝ ክትረክብ ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ፡፡
ብተወሳኺ ህጻናት ዝሳተፉሉ ዝኾነ ዓይነት ወሲባዊ ቪድዮ ‘‘ ምፍራይ፣ ምክፋል፣ ምቕባልን ምሓዝን’’ ክሳብ 14 ዓመት ዘእስር ገበን ከምዝኾነ መንግስቲ ክልል ሌጎስ ኣፍሊጡ፡፡