ናይጀርያ፡ ነበርታ ብስማ ዘይሕጎሱላ ኣፍሪቃዊት ቁሸት ካልእ ስም ቀይራ

እታ ቁሸት ኣብ ምዕራብ ናይጀርያ እትርከብ ኮይና ቅድሚ 70 ዓመታት ብዝተወሃባ ስም ክትጽዋዕ ጸኒሓ። ነበርታ ግን በቲ ስማ ርእሶም ከድንኑ'ዮም ጸኒሖም።

ትርጉም ስም ናይታ ቁሸት "ዓዲ-ዓያሹ (Village of Idiots) ዝብል'ዩ። ነበርታ በዚ ሕጉሳት ብዘይምዃኖም ድማ፡ ሓድሽ ስም ተዋሂብዋ'ሎ።

ንስምዒት ነበርቲ ዝተገንዘቡ ኣሚር ወይ ልምዳዊ መራሒ ናይታ ዓዲ፡ ነቲ ሓድሽ ስም ወግዓዊ ምስ ገበሩ፡ ነበርታ ሓጎሶም እናገለጹ ይርከቡ።

ስም ናይታ ከተማ ብሓደ ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝርከቡ ቋንቋታት፡ ቋንቋ 'ሃውሳ' እዩ ዝጽዋዕ። 'ኡንጉዋር ዋዋየ'፡ "ዓዲ-ዓንጃላት" ዝብል ትርጉም ድማ ኣለዎ።

ኣሚር ናይታ ቁሸት ከምዘፍለጦ ስያመኣ ካብቲ ዝነበሮ 'ኡንጉዋር ዋዋየ' ናብ 'ያልዋር ካዳና' ማለት "ዓዲ-ሽሻይ" ብዝብል ተተኪኡ'ሎ።

እቶም ነበርቲ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን 'ካበይ መጺእኹም?' ዝብል ሕቶ ክቐርበሎም ከሎ፡ ብዝህብዎ መልሲ ንዓመታት ክሓፍሩ'ዮም ጸኒሖም።

"ንካልኦት ሰባት ካብ ከተማ 'ኡንጉዋር ዋዋየ' [ዓዲ-ዓያሹ/ ዓዲ-ዓንጃላት/ዓዲ-ዝንጉዓት] መጺኤ ክትብሎም ከለኻ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕፍር። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ካብ 'ያልዋር ካዳና' [እንዳ ሕልፍን ትርፍን] መጺኤ ክትብል ከለኻ ብኹርዓት'ዩ" ክብል ነባሪ'ታ ቁሸት ባላ ሳኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ኣሚር ነዚ ተበግሶ ክወስድ ብምኽኣሉ ድማ ምስጋና ከምዝግብኦ ገሊጹ።

እታ ቁሸት ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ካኖ እትርከብ ኮይና ነቲ ክትጽውዓሉ ዝጸንሐት ስም ቅድሚ 70 ዓመታት'ያ ረኺባቶ።

ነበርታ ኣብ ጥቓ ሓደ ብሩባ ዕሽነት ዝፍለጥ ፈለግ ክነብሩ ምስጀመሩ፡ እቲ ስም ከም ዝጠበቖም ይዝረብ።

እቲ ሩባ ብኸመይ ነቲ ስም ክረክብ ከምዝኸኣለ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን።