እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሃሪ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኑዎ
ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሃሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ፡ 'ንኣህጉር ኣፍሪቃ ውርደት'ዩ' ኢልዎ።
እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ አሎ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝርከቡ ናይጀርያውያን ኣብ ዝገበሮ ዘተ እዩ ነዚ ዘረባ እዚ ዝተዛረብ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ዝተኻደ ሞት ብዙሓት ሰባት ዘስዓበ መጥቃዕቲ፡ ካብ ሞንጎኦምን ቀንድን ናይጀርያውያን ሰብ ሃብቲ ከምዝርከብዎም ይዝከር።
እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ናይጀርያውያን ከቢድ ቁጠዐ ኣኸቲሉ እዩ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ እውን ነቲ ብዜጋታቱ ዝተፈጸመ ተግባር 'ዘሕፍር'ዩ' ብምባል ቀቅድም ክብል ከምዝኾነኖ ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሃሪ ምስ ናይጀርያውያን ተቐማጦ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡
"ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ በዚ ዝተፈጸመ ተግባር ይቕሬታ ሓቲቶም እዮም፡ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ክልተኣዊ ርክባት ነኸይሕርፍፍ እውን ኣድላዩ ዘበለ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ሓቢሮሙና እዮም" ኢሉ።