ኣብ ናይጀርያ ብሞተር ብሽኽለታ ዝንቀሳቀሱ ሰብ ብረት 22 ሰባት ቀቲሎም

ኣብ ማእከላይ ዞባ ናይጀርያ ብውሕዱ 22 ሰባት ብሞተር ብሽክለታ ዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ናይቲ ዞባ ኣወሃሃዲ ጸጥታ ሓቢሩ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ዝተቐተሉ ኣባላት ጉጅለ ሓለዋን ሰብ መዚ ፖሊስን ምኳኖም’ውን ተገሊጹ።

ኣብ ናይጀርያ እትርከብ ኒጀር እትብሃላል ዞባ ካብ ቀረባ እዋናት ኣትሒዛ ነቲ ብብረት ዝዓጠቁ ወረበለታት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ደው ኣብ ምባል ትሽገር’ያ ዘላ።

ኣወሃሃዲ ጸጥታ እቲ ዞባ ኮሎኔል ጃቢሩ ሙሓመድ ማይኩንዲ፡ እቶም ብረት ተዓጢቖም ብሞተር ብሽክለታ ዝመጽኡ ወረበላታት ናብ ከተማ ዳኩ ኣትዮም ካብ ሪጃኡ ዝብሃል ቦታ ምስ በጽሑ ነቶም ነበርቲ ናይ ምጭዋይ መደብ ከምዝነበሮም ይገልጽ።

እቶም ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ጉጅለ ነቶም ነበርቲ ንምክልኻል ቶኽሲ ኣብ ዝኸፈትሉ፡ ኣብቲ ምልውዋጥ ናይ ቶኽሲ ከምዝተቐተሉ ኮሎኔል ጃቢሩ ሙሓመድ ማይኩንዲ ሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ካጋራ ኣብ እትብሃል ከተማ ናይጀርያ ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ ሓደ ባንኪ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስን በርጌስን ከምዝቐተሉ ተገሊጹ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ባንኪ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ዕጡቓት ካብቲ ባንኪ ዝኾነ ገንዘብ ኣይወሰዱን ኢሎም።

ሰብ መዚ ጸጥታ ናይጀርያ ኣብ ክልቲኡ መጥቓዕትታት ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ወረበላታት ከምዝተቐተሉ እኳ እንተሓበሩ ቁጽሮም ግን ክንደይ ምኳኖም ኣይገለጹን።

ዞባ ኒጀር ሓንቲ ካብተን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ዝርከብ ዞባታት ኮይና ብሞተር ብሽክለታ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ሰብ ዝቐትልሉ፤ ዝዘርፍሉን ሰባት ጨውዮም ገንዘብ ዝሓትሉን ዞባ እያ ኮይና ዘላ።

እቲ ብምውህሃድ ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያን ዞባውያን ሓለዋን ነዞም ዕጡቃት ቦጋሚንዶታት ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ስግኣት ዝቕንጥጥ ውጽኢት ኣየመዝገበን ዘሎ።