እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዴንማርክ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንኽትመልስ ዝርርብ ምጅማራ ኣፍሊጣ
መንግስቲ ዴንማርክ ልክዕ ከምቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቐባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝርርብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
መንገስቲ ዴንማርክ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ንምክልኻል ተርርቲ ፖሊሲታት ከተኣታቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ መሻርኽቲ ሃገር ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ብምኽፋት ጉዳዮም ኣብኡ ኮይኑ ክርእ ዝብል ሕጊ ምጽዳቓ ዝዝከር እዩ።
ኣብ እዋኑ፡ እቲ ብመንግስቲ ዴንማርክ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ብትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕቡራት ሃገራትን ብኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳን ተሪር ነቀፌታ ገጢምዎ ነይሩ እዩ።
ዴንማርክ ነቲ ሕጊ ምስ ኣጽደቐቶ፡ ነቶም ስደተኛታት ትቕበላላ መላፍንቲ ሃገር ምስኣና ኣብ እዋኑ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ግን ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ብወግዒ ዝርርብ ምጅማራ ኣፍሊጣ ኣላ።
መንግስቲ ርዋንዳ ቅድሚ ሕጂ'ውን ካብ እስራኤልን ካብ ሊብያን ስደተኛታት ክቕበል ምጽንሑ ይዝከር።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኸኣ፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣትዮም ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ስደተኛታት፡ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ፡ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።
እንተኾነ እቲ ውጥን ካብ ብዙሓት ወገናት ሓያል ነቀፌታ ይበጽሖ ኣሎ።
ልዕሊ 160 ዝኾና ማሕበራት ተሓለቕቲ መሰላት ነቲ "ጨካን" ዝበልኦ ውጥን ብምቅዋም፡ መንግስቲ ዳግማይ ክሓስበሉን ክስርዞን ይጽውዓ ኣለዋ።
መራሒ ብሪጣንያዊት ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን ሊቀ-ጳጳስ ጃስቲን ወልቢ፡ ብኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ (ኤውሮጳ) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውጥን "ዓቢ ሞራላዊ ሕቶታት" ዘለዓዕል'ዩ ክብሉ ነቒፎሞ።
እቲ ስጉምቲ "ካብ ሓላፍነትና ዘጉድል'ዩ" ብምባል፡ "ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ዝቐውም" ኣይኮነን ኢሎም።
ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ነዚ ውጥን ዘለዎም ተቓውሞታት ይገልጹ ኣለዉ።
እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ።
ነቲ ፖሊሲ ዝሃንደሰትን ትምርሕ ዘላን ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ግን፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ።
ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት።
ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ውሳነ ክወስድ ዘገደዶ ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ ብበል እንተኾነ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዘርህ።
"ብዓቢኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቕጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕ ይጥቀመሉ ኣሎ" ክብል ይነቅፍ።
ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ።
"እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ።
ውጥን ስደተኛታት ርዋንዳ ብኸመይ እዩ ክትግበር?
- እቲ ውጥን ብቐንዱ፡ ብጀላቡን ዓበይቲ መካይንን ተጻዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው'ሞ ዘይምርዑዋትን ደቂ ተባዕትዮን ዘተኩር እዩ።
- እቶም ብኸምዚ ኣገባብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ኣትሒዞም ዝኣተው፡ ናብ ርዋንዳ ክስደዱን ኣብኡ ኰይኖም መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ክከታተሉን እዮም።
- ጉዳዮም እናተራእየ ኸኣ፡ መንበሪን ዝተፈላለየ ሓገዛት ክግበረሎምን፣ ካብን ናብን ግዚያዊ መዕረፊኦም ድማ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ክሕለወሎም እዩ።
- ሕቶ ዑቕባኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ፡ ኣብ ርዋንዳ "ሓድሽ ሂወት" ንኽጅምሩ ሓገዝ ክግበረሎምን፡ ክሳብ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል ዕድል ትምህርትን ሓገዝን ክግበረሎም ምዃኑ'ውን ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።
- እቶም ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ርዋንዳ ንኽጸንሑ ክሓቱ ካልእ ዕድል ክወሃቦም እዩ፤ ወይ ከኣ ናብ ቀንዲ ሃገሮም ክምለሱ ወይ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ናብ እትኽእል ካልእ ሃገር እንተላ ንኽኸዱ ዕድል ክወሃቦም እዩ።
- መንበሪን ገለ ሓገዛትን ክግበረሎም፣ ካብቲ ግዝያዊ መዕረፊኦም ከኣ ብናጻ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክረጋገጽ እዩ።
- ቀዳማይ ጕጅለ 'ዞም ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ሒደት ሳምንቲ ጕዕዞ ክጅምሩ ምዃኖም ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።