ኤርትራ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንዝመልስ 'ሕሱርን ዘይሞራላዊ' ውጥን ብሪጣንያ ነቒፋ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተኣወጀ ውጥን ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ "ሕሱርን ዘይሞራላውን" ክብል ነቒፍዎ።

ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ርዋንዳ'ውን ንገንዘብ ክትብል ኣካል ናይቲ መደብ ምዃና "ክኹነን" ዘለዎ'ዩ ኢሉ።

"እዚ ንግሉጽ ገንዘባዊ ረብሓ: ብምትሕብባር ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝካየድን ሕሱርን ዘይሞራላውን ውጥን ኩሉ ክኹንኖን ክቃወሞን ኣለዎ" ይብል እቲ መግለጺ።

ነቶም ዝሰጋገሩ ስደተኛታት ንምድጋፍ ዝውዕል 120 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ክወሃባ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ፈረንሳ ብጃላቡን ዓበይቲ መካይንን ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብሪጣንያ ነቲ ዋሕዚ ንምዕጋት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣወጀቶ ሓድሽ ፖሊሲ ምስግጋር ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ፡ ብቐንዱ፡ ብጀላቡን ዓበይቲ መካይንን ተጻዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው'ሞ ዘይምርዑዋትን ደቂ ተባዕትዮን ዘተኩር እዩ።

ኤርትራ ኣብ ዘውጽኣቶ ተቓውሞ፡ እቲ ፖሊሲ ንጠንቅታትን ባህርያትን ዝደፍን'ዩ ብምባል፡ "ኣብ ርእሲ'ቲ ብዘየድሊ ኣጀንታታት ዝውላዕ ቀጻሊ ግጭታትን ኲናትን፡ ገለ ሃገራት ንካልእ ፖለቲካዊ ዕላማታት ክብላ ኣንጻር ገለ [ካልኦት] ሃገራት "ስትራተጂካዊ-ምጉሕጓሕ ህዝቢ ይኽተላ" ኣለዋ ክትብል ከሲሳ።

ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ከምዝብልዎ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላትን ገለ ካብ ቀንዲ ጠንቂታት ዋሕዚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም።

ሓያል ተቓውሞን ነቐፌታን ዘስዓበ ውጥን

ልዕሊ 160 ዝኾና ማሕበራት ተሓለቕቲ መሰላት ነቲ "ጨካን" ዝበልኦ ውጥን ብምቅዋም፡ መንግስቲ ዳግማይ ክሓስበሉን ክስርዞን ይጽውዓ ኣለዋ።

መራሒ ብሪጣንያዊት ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን ሊቀ-ጳጳስ ጃስቲን ወልቢ ብወገኖም፡ ብኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ (ኤውሮጳ) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውጥን "ዓቢ ሞራላዊ ሕቶታት" ዘለዓዕል'ዩ ክብሉ ነቒፎሞ።

እቲ ስጉምቲ "ካብ ሓላፍነትና ዘጉድል'ዩ" ብምባል፡ "ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ዝቐውም" ኣይኮነን ኢሎም።

ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ነዚ ውጥን ዘለዎም ተቓውሞታት ይገልጹ ኣለዉ።

እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ።

ነቲ ፖሊሲ ዝሃንደሰትን ትምርሕ ዘላን ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ግን፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ።

ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት።

ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ውሳነ ክወስድ ዘገደዶ ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ ብበል እንተኾነ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዘርህ።

"ብዓቢኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቕጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕ ይጥቀመሉ ኣሎ" ክብል ይነቅፍ።

ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ።

"እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ።

ውጥን ስደተኛታት ርዋንዳ ብኸመይ እዩ ክትግበር?

  • እቲ ውጥን ብቐንዱ፡ ብጀላቡን ዓበይቲ መካይንን ተጻዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው'ሞ ዘይምርዑዋትን ደቂ ተባዕትዮን ዘተኩር እዩ።
  • እቶም ብኸምዚ ኣገባብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ኣትሒዞም ዝኣተው፡ ናብ ርዋንዳ ክስደዱን ኣብኡ ኰይኖም መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ክከታተሉን እዮም።
  • ጉዳዮም እናተራእየ ኸኣ፡ መንበሪን ዝተፈላለየ ሓገዛት ክግበረሎምን፣ ካብን ናብን ግዚያዊ መዕረፊኦም ድማ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ክሕለወሎም እዩ።
  • ሕቶ ዑቕባኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ፡ ኣብ ርዋንዳ "ሓድሽ ሂወት" ንኽጅምሩ ሓገዝ ክግበረሎምን፡ ክሳብ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል ዕድል ትምህርትን ሓገዝን ክግበረሎም ምዃኑ'ውን ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።
  • እቶም ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ርዋንዳ ንኽጸንሑ ክሓቱ ካልእ ዕድል ክወሃቦም እዩ፤ ወይ ከኣ ናብ ቀንዲ ሃገሮም ክምለሱ ወይ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ናብ እትኽእል ካልእ ሃገር እንተላ ንኽኸዱ ዕድል ክወሃቦም እዩ።
  • መንበሪን ገለ ሓገዛትን ክግበረሎም፣ ካብቲ ግዝያዊ መዕረፊኦም ከኣ ብናጻ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክረጋገጽ እዩ።
  • ቀዳማይ ጕጅለ 'ዞም ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ሒደት ሳምንቲ ጕዕዞ ክጅምሩ ምዃኖም ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።