እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ሩዋንዳ ክርአ ምውጣና ዝገጠሞ ተቓውሞ
ናይ መጀመርታ ሓተትቲ ዕቑባ ብሪጣንያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ሩዋንዳ ክውሰዱ ከም ዝኽእሉ መንግስቲ ኢንግሊዝ ትማሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ሓድሽ መደብ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ብሓሙስ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡ መጀመርታ እቶም ካብ ፈረንሳ ብጀልባ ወይ ብናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣትው ቤተሰብ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ትኹረት ከም ዝገብር'ዩ ተሓቢሩ።
ቦሪስ ጆንሰን፡ መትረብ ኢንግሊዝ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ማያዊ ኣካል ናብ ሃገሩ ዝኣትው መብዛሕትኦም ዕቑባ ዝሓቱ ስደተኛታት "ብሓንቲ ናይ ኣየር ቲኬት ናብ ሩዋንዳ ክመልሶም" ምዃኑ ተዛሪቡ።
ይኹን'ምበር ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ እዚ መደብ ልዑል ወጻኢ ዝሓትት ከም ዝኾነ ብምግላጽ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ሩዋንዳ ኣብ ሕቶ ብምእታው ይነቕፍኦ ኣለዋ።
ተመራመርቲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን'ውን "ስደተኛታት ዕዳ ኣይኮኑን" ብምባል ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ንውሳንኡ ክሓስበሉ ይሓቱን ተቓውሞኦም ይገልጹን ኣለው።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ግን "ወጻኢታት ዝኾነ ናብዚ መጺኡ ክነብር ድልየት ናይ ዘለዎ ሰብ ንምሽፋን፡ ገንዘብ ኸፈልቲ ግብሪ ብሪጣኒያ ክንጥቀም የብልናን" ብምባል ሕቶ ዕቑባ ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰዶም ምዃኑ ሓቢሩ።
ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ።
ነዚ ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ደፋኢ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ቀንዲ ምኽንያታት "ጸዓዱ ኢንግሊዝ ብብዝሒ እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ትብል።
ይኹን'ምበር፡ እቶም ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ።
"ንኣብነት ሶማልያውያን ኣብዚ ዓዲ ብዙሕ ንግድን ስራሕን ኣለዎም። ነቲ ቁጠባ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብዚ መጺኦም ከም ሓኪምን ካልእን ኮይኖም ሰሪሖም ኣብ ቁጠባ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣለዎም። እቲ ዘሕዝን ግን ካብ ሳልሳይ ዓለም ሃገር ዝመጽእ ስደተኛ ብሕማቕ ዓይኒ እዩ ዝርኣይ እምበር ነታ ሃገር ቁጠብኣን እንታይ ጽቡቕ ገይሩ ዝብል ኣብ ቴሌቪዥናት ፈጺሙ ኣይመጽእን እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ርእሲ ኢንግሊዛውያን ግጉይ ምስሊ ኣሕዲሩ" ትብል።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን፡ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቁጠባዊ ዕቑባ ምኽንያት ገይሮም ዝመጽኡ ስራሕ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክጸንሑ ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ፡ ሕጋዊ ሕቶ ዘለዎም ድማ ኣብ ሩዋንዳ ኮይኖም ምላሽ ክረኽቡ እዮም ምባሉ ይዝከር።
ዳይሬክተር ፖሊሲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንድሪው ገሪፊስ፡ እቲ ውሳነ ብፓርላማ ክጸድቕ ከም ዘየድልዮን፡ ብመሰረት እቲ ዘሎ ናይ ኢሚግረሽንን ዑቕባን ሕግታት ክትግበር ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ እንተ ኣቋሪጹ ናብ ብሪጣንያ ዘእቱ "ውሑስ፣ ሕጋውን ለጋስን ዓቢ ኣፍደገ ከርሑ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ስለ ምንታይ እዩ መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ነዚ ውሳነ ክወስድ ክኢሉ ንዝብል ከብርህ እንከሎ፡ ዋላ'ውን ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ እንተሃለወ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል የብርህ።
"ኣብዛ ሃገር ሕሉፍ ናይ የማን ሰልፊ'ዩ ስልጣን ሒዙ ዘሎ፤ ብሕልፊ እታ ሚኒስትር ጉደያት ውሽጢ ዓዲ ሕልፍቲ ናይ የማን ሓይሊ'ያ። ኣቦ መንበር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ'ውን ከምኡ" ዝብል ፕሮፌሰር ጋይም፡ ብዓብይኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቅጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕን ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ይነቅፍ።
ፈረንሳን ኢንግሊዝን ብፍላይ ነቲ ብመትረብ ኢንግሊዝ [ኢንግሊሽ ቻነል] ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ምትሕብባር ንክገብራ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ክገብራ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28 ሽሕን 526 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ብምቁራጽ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተው ኮይኖም፡ ኣብ 2020 እቲ ቑጽሪ 8,404 ጥራሕ ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ። ብሮቡዕ ጥራይ ኣስታት 600 ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም ዝኣተው ተሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምልኣኽ መደብ፡ ኣካል ቑጽሪ እቶም ብኣናሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ብምቁራጽ ናብ ኢንግሊዝ ዝኣትው ሰባት ንምንካይ ናይ ዝተትሓዘ ስትራቴጂ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሮያል ነፍሲ ወከፍ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመጽኣ ጀላቡ ንምፍላጥ ኣብቲ መትረብ ዘሎ ምንቅስቓስ ክቆጻጸሮ ጀሚሩ ኣሎ።
ዳይረክተር ሓይሊ ዶብ ብሪጣኒያ ነበር ቶኒ ስሚዝ፡ ውልቀሰባት ናብ ሩዋንዳ ናብ ዝኸዳ ነፈርቲ ክስቀሉ እንከለው መንግስቲ ኢንግሊዝ ሕጋዊ ማሕለኻታት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ይዛረብ። እዚ ድሮ ሓያሎ ተቓውሞታት ዝገጥሞ ዘሎ መምርሒ ንክቕየር ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ግን ፕሮፌሰር ጋይም የረድእ።
"ውሳነ ስለ ዝተወስደ ክቕየር ተክእሎ የብሉን፤ ነቶም ናብዛ ሃገር ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክወስዱዎም ይኽእሉ'ዮም። እዚኦም ኣብ ሩዋንዳ ክጸንሑ ድዮም ኣይጸንሑን ዝብል ክኣ ካልእ ሕቶ'ዩ። በዚ መገዲ ክኣ ካብ ነቲ ካብዚ ከወግዱዎ ዝደልዩ ካብ ፈረንሳ ዝመጽእ ስደተኛ ጠጠው ከብሎ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ'ዩ፤ ምስኣተው ኢዶም ኣብ ክንዲ ንመንግስቲ ዝህቡ ተሓቢኦም ክነብሩ'ዮም" ኢሉ።
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ቤተሰቦምን ዘጋጥም ጸገማት ኣብ ምግዳድ ናይ ባዕሉ ተራ ከም ዝህልዎ ሓቢሩ።
ምንጪ ስግኣት ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስዳድ እንታይ'ዩ?
ብዝሒ ህዝቢ ሩዋንዳ 13 ሚሊዮን ጥራይ'ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ካብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ 900 ሓተትቲ ዕቑባ ኣፍሪቃውያን ካብ ሊብያ ተቐቢላ ኣላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሩዋንዳ፡ ሕቶ ዕቑባ ናይቶም ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ እትቕበሎም ስደተኛታት ክትምርምሮ እያ፤ እቲ ሕቶ ተቐባልነት እንተረኺቡ እቲ ስደተኛ ኣብ ሩዋንዳ ክነብር ክፍቀደሉ እዩ።
ድልየት ዘይብሉ ስደተኛ ግን ናብ ትውልዲ ሃገሩ ወይ ድማ ናብ ሳልሰይቲ ክትቕበሎ እትኽእል ሃገር ከም ዝሰጋገር ክግለጽ እንከሎ፡ ሕጂ 500 ሓተትቲ ዕቑባ ከዕቑብ ዝኽእል 100 ናይ መዕረፊ ቦታ ከም ዘዳለወት ይግለጽ።
ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ሓደ ካብቶም ነዚ ውሳበ ዘይቕበሉ ሰባት ኮይኑ ውጽኢታውነት ፍትሓውነትን ዘይብሉ ምዃኑ ይዛረብ።
"ሩዋንዳ፡ ካብተን ኣብ ዓለም ዝደኸያ ሃገራት ሓንቲ እያ፤ ህዝቢ ሩዋንዳ ንነብሱ ክኢሉ ንስደተኛታት ክሓቁፍ ይኽእል ድዩ?" ዝብል ሕቶ ብምልዓል ቅድም ኢሎም ብተመሳሳሊ ውሳነ ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝተወስዱ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዘይምጽንሖም የረድእ።
ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ኣብነት ብምልዓል፡ "መብዛሕትኦም ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝኣተው ኣለው፤ ገሊኦም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ'ውን ኣለው፤ ብኸምኡ ፋሕ ፋሕ እዮም ኢሎም እምበር ኣብ ሩዋንዳ ኣይጸንሑን፤ ሩዋንዳ'ውን ወጻእተኛታት እተወሃህደሉ ዓቕሚ የብላን" ኢሉ።
ካልኦት ኣብ ዙርያ እዚ መስርሕ ዝልዓሉ ዘለው ሕቶታት
- ከም ጸብጻብ ዘታይምስ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሩዋንዳ ዝልኣኽ ስደተኛ፡ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 30 ሽሕ ፓውንድ ወጻኢ ይሓትት
- ሚኒስትር ፍትሕን ስደትን ቶም ፑርስግሎቭ ንቢቢሲ ብሬክፋስት ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን እዩ ኢሉ
- ብሪጣኒያ፡ መዓልታዊ ኣብ ሆቴል ንእተጽንሖም ስደተኛታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ፓውንድ ከም እተውጽእ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትር የመልክት
- እቲ ሓድሽ መስርሕ ድማ ኣብ መጀመርታ ዙርያ 120 ሚሊዮን ፓውንድ ተመዲብሉ ኣሎ።
- ተመሳሳሊ ኣውስትራሊያ ተግባራዊ ዝገበረቶ መደብ፡ ብ2021 ኣስታት 460 ሚሊዮን ፓውንድ ወጻኢ ተገይርሉ።
- በዚ 239 ሰባት ጥራይ ዳግም ክጣየሱ እንከለው፡ ነፍሲ ወከፍ 1.9 ሚሊዮን ፓውንድ ወጻኢ ሓቲቶም።
ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ብቐረባ እኹል ናይ ሕጊ ድጋፍ ንክረኽቡ ከም ዘጸግመሞ እትጠቅስ፡ ተሓላቒት ስደተኛታት ሄለን፡ መንግስቲ ኢንግሊዝ እቲ ኣውስትራሊያ ካብ 2000 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ምቕማጥ ዘተኣታተወቶ መስርሕ ይደግም ምህላው ተልዕል።
እዚ፡ ኣብ 2013 ክተርር እንከሎ ኣውስትራሊያ ብጃልባ ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቑባ ቪዛ ከይረክቡ ብምኽልካል፡ ኣሽሓት ስደተኛታት ድማ ካብ ኣውስትራልያ ክወጽኡ ገይራ እያ።
ሓለውቲ ዶብ እታ ሃገር ድማ ካብ 2012 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ስደተኛታት መሊሶም እዮም።
ኣውስትራሊያ፡ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ደሴት እታ ሃገር ናብ ዝኾነት ኑሩን ፓፓዋ ኒው ጊኒን ክተመሓላልፎም እንጀላ፡ 13 ናብ ኑሩን ፓፓዋ ኒው ጊኒን ዝተሰደዱ ሰባት ብሰንኪ ዓመጽ፣ ሕጽረት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ነብሰ ቕትለትን ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።
"እዚ ጸገም ኣብኡ ክትድርበ እንከለኻ ጠበቓ ክትሕዝ፣ ናይ ኢምግሬሽን ጉዳያትካ ክትቃለስ የኽብዶ። ኣብዚ እንተኾይኖም ናብ ጠበቓ ክኸዱ፣ ናይ ሕጊ ድጋፍ ክረክቡ መሰል ኣለዎም። ኣብኡ ግን ምስ ተሰደዱ ጠበቓ የብሎምን፣ ክከታተሉሎም ኣይክእሉን'ዮም፤ ስለዚ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ኮይኖም ናብዚ ፍቓድ ክረኽቡ ኣይክእሉን፤ እቲ ዕላማ ንሱ'ዩ" ትብል ሄለን።
ልዕሊ 160 ገበርቲ ሰናይን ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታትን፡ መንግስቲ ኢንግሊዝ እቲ ዘውጽኦ መደብ ክስርዞ ብደብዳበ ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ካውንስል ስደተኛታት ኢንቨር ሶሎሞን "ንተወሳኺ ሰብኣዊ ቓንዛ" ዘቃልዕ እዩ ክብል ኮኒኑ።
ፕሮፌሰር ጋይም ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ "ሰብኣውነት ዘይብሎም" ውሳነታት ብዝተጸንዐ መገዲ፣ ንስደተኛታት፣ ምንጪ ስደት ምስ ዝኾና ዘለዋ ሃገራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘሳተፉ ፍታሓት ክግበረሉ ከም ዘለዎም ይገልጽ።
"85 ሚኢታዊት ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ እዮም ዘለው፤ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን፣ ኬንያ፤ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እዮም ዘለው" ዝብል እቲ ሙሁር፡ እተን ዕቑባ ዝሃብኦም ሃገራትን ነቶም ስደተኛታት ብምስታፍ መሰሎምን ፍቓዶምን ብዝሕሉ መገዲ ምስተን ሃገራት ኩነታት መነባብርኦም ደቂ ሃገርን ናቶምን ናብራ ብሓባር ከማዕብልሉ ዝኽእሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ኣማራጺ ገይሩ የቅርብ።
ብኻልእ ወገን፡ ናብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካልኦት ዝማዕበላ ሃገራትን ክመጽእሉ ዝኽእሉ ብመስርሕ ዳግመ ምጥያስ ዝርኣዩ ስደተኛታት፡ ሕጋዊ ኣገባብ ብልሽውና ዘይብሉን ተሓታትነት ብዘለዎን ኣገባብ ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምሃብ ክጣየሱ ምግባር ከም ዘድሊ የቐምጥ።
ብቐንዱ ግን "እቲ ጠንቂ ናይ ስደት ዝኾነ ነገር ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጉዳይ ብዘይሕለል መገዲ ፍታሕ ክትረኽበሉ ምፍታን የድሊ። እዚ ድማ ፖለቲካውን ቁጠባውን እዩ፤ እተን ስደተኛታት ዝመጽኡለን ዘለው ሃገራት ኣመሓዳድርአን ዴሞክራሲያዊ ክኸውን፣ መሰላት ናይ ደቂ ሰባት ዘኽብር ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ" ኢሉ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ፣ ሽቕለት ኣልቦነት፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሚሊዮናት ይስደዱ እዮም።