ሕቡራት ሃገራት ግብጺ ትወስዶ ንዘላ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቚባ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ኮኒኑ

ግብጺ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወሰደቶ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ከም ዝኹንኑ ኪኢላታት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

እቲ ዘይሕጋዊን ብእኩብ ዝካየድን ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ንዓለምለኻዊ ግቡእ ሃገረ ግብጺ ዝጻረር ምዃኑ እቶም ኪኢላታት ኣነጺሮም።

"ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወስደን ዝቕጽል ዘሎን ንኤርትራውያን ብእኩብ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሰብ መዚ ተወሳኺ ናይ ምምላስ ውጥኖም ብህጹጽ ደው ከብልዎ ጸዊዖም" ክብል ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት ናይቲ ውድብ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ "ስቅያት፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፡ ግዱድ ምስዋርን ጭውያን ዝርከብዎም" ምግሃስ መሰላት ከም ዝገጠሞም ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ "ብእኩብ ዝግበር ምጓግ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ኩልኩል እዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል ዝርከቦም ተጣበቕቲ መሰላት፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዝጥረዙ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ስቓይ ዝርከቦ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከጋጥሞም ከምዝኽእል ብምግላጽ እቲ ስጉምቲ ደው ክብል ተማሕጺኖም ነይሮም'ዮም።

ኣብ ፈለማ ክልተ ሳምንቲ ናይቲ ወርሒ ጥራይ 31 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከም ዝተጠረዙን፡ ሓደ ዕሸልን ክልተ ትሕቲ ሸውዓት ዓመቶም ህጻናትን ዝርከብዎም ካልኦት 50 ሰባት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ኣስዋን ተኣሲሮም ተመሳሳሊ ዕጫ ይጽበዮም ከምዝነበረን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጠቒሱ ነይሩ።

ካብ ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ፡ ሰብመዚ ግብጺ ቆልዑ ዝርከብዎም 68 ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዝመለስዎም እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።

"ሓያሎ ካብቶም ዝተጠረዙ፡ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሶም ኣይተሰምዑ ኣይተራእዩ፤ ሰብ ኣብ ዘይረኽቦም መዳጒኒ ተቐዪዶም ከም ዘለዉ ድማ ይእመን" ይብሉ እቶም ፍሉይ ተኸታታሊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዶ/ር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ዝርከቦም ኪኢላታት።

ግብጺ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ብምእታው ንገሊኦም ናብ ሃገሮም ኣሕሊፋ ክትህቦም እንከላ፡ ንገለ ድማ ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ሒዛቶም ምንጽናሓ ይዝከር።

"ሰብመዚ ግብጺ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ናብ ሓደጋ ምምላስ ደው ከብልዎ ኣለዎም። ኣብ ክንድኡ፡ ግብጺ ብዝኣተወቶ ዓለምለኻዊ መብጽዓ መሰረት ሓለዋ ክህብዎም ኣለዎም" ክብሉ ጸዊዖም ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ነቲ መጸዋዕታ ዘቕረቡ ኪኢላታት፡ ፍልይቲ ወኪል ኣብ ጉዳያት ዝተጨውዩ ሰባት፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ሲዮብሃን ሙላሊ፣ ፍሉይ ወኪል ንሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ፈሊፐ ጎንዛለዝ ሞራለዝ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ንግዱድ ምስዋር ሰባት ዝምልከት ሓይሊ ዕማም ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ይርከብዎም።

ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ግዱድን ደረት-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ናጽነታትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ስደት ክውሕዙ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ንኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ንምክትታል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ መርመርቲ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ክገልጹ ምንጽንሖም ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኤርትራ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ክስታት ምግሃስ መሰላት፡ ምስሊ ሃገሮም ንምድዋን ዝዓለመ'ዩ ብምባል'ዮም ክነጽግዎ ዝስምዑ።