መንግስቲ ግብጺ ኤርትራውያን ምጥራዝ ከቋርጾ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ

ሰብ መዚ ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ከቋርጽዎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዝጥረዙ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ስቓይ ዝርከቦ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከጋጥሞም ከምዝኽእል ብምግላጽ’ዩ እቲ ምጥራዝ ደው ክብል ተማሕጺኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጥራይ 31 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከምዝተጠረዙ ዝሕብር መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፤ሓደ ዕሸልን ክልተ ትሕቲ ሸውዓት ዓመቶም ህጻናትን ዝርከብዎም ካልኦት 50 ሰባት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ኣስዋን ተኣሲሮም ተመሳሳሊ ዕጫ ይጽበዮም ከምዘሎ ገሊጹ።

ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ፍሊፕ ሉተር “እዚ ግብጺ ትገብሮ ዘላ ምጥራዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ርኡይ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ምዃኑ ተረዲኣ ብቕልጡፍ ደው ክተብሎ ኣለዋ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “እቶም ኣቐዲሞም ናብ ኤርትራ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ማእሰርትን ስቓይን ከምዘጋጠሞም ዝተሰነደ መርትዖ ስለዘሎ፡ ሰብ መዚ ግብጺ እዞም ስደተኛታት መሰል ዑቕቦኦም ክሕልውሎም ኣለዎም” ኢሉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰብ መዚ ግብጺ ነቶም ቀይደሞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ዩኤንኤችሲኣር ምርኻብ ከምዝኽልክልዎምን ናብ ኤርትራ ንኽጥርዝዎም ብሓይሊ ናብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ወሲዶም ሰነዳት ናይ ጉዕዞ ከምዘዳልውሎምን ሓቢሩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቁጽሪ ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ዝጥረዙ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ካብ 15 ክሳብ 17 መጋቢት ጥራይ ህጻናት ዝርከብዎም 31 ኤርትራውያን ከምዝተጠረዙ ገሊጹ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ’ውን ብውሕዱ 40 ኤርትራውያን ከምዝተጠረዙ እቲ መግለጺ ይሕብር።

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን መንእሰያት ግዱድን መወዳእታ ዘይብሉን ዕስክርና ብምጽላእ ከምዝስደዱ ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ ናብታ ዝሃደሙላ ሃገር ብሓይሊ ምምላሶም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምእታው ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ግብጺ ኤርትራውያን ምጥራዝ ከተቋርጾ ብትሪ ተማሕጺኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ግብጺ ኣስታት 20,778 ኣብ ዩኤንኤችሲኣር ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ የመልክት፤ እንተኾነ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ዩኤንኤችሲኣር ዘይተመዝገቡ ምህላዎም ስለዝፍለጥ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ዝተገለጸ ኣዝዩ ክልዕል ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።