ኣብ ግብጺ ዝተቐየዱ ኤርትራውያ ብምጉታት ፍርዲ የማርሩ

ቅድሚ ሒደት ሳምንትታት ኣብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ካይሮ፡ ሓያለ ኤርትራውያን፡ "ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይና ኣቓልቦ ኣይሃቦን" ብምባል፡ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈቱ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ፡ ወከልቶም ብፖሊስ ግብጺ ተቐይዶም።

እቶም ኤርትራውያን ዋላ'ኳ ናብ ቤት ፍርዲ እንተተወስዱ፡ እቲ መጋባእያ ሰለስተ ሳዕ ተዓጽዩ ከምዝጸንሖም ኣባላት ኮሚተ ምክትታል ኤርትራውያን እሱራት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ብፖሊስ እታ ሃገር ቀሪቡሎም ዘሎ ክሲ 'ዘይሕጋዊ ሰለማዊ ሰልፊ ገይርኩም፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ሃሪምኩም' ዝብል እዩ። ሓደ ካብ ወከልቲ እቶም ስደተኛታት ኣክረም እሽማዒል ቅድሚ ሕጂ ብዘይ ወረቐት ይገብሩ ስለዝነበሩ፡ ጸገምን ሽግርን ምስ በዝሖም ብዓቕሊ ጽበት ነቲ ሰልፊ ከምዘካየዱዎ ይገልጽ።

ሓለፍቲ ዩኤን እውን እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ መንግስቲ ግብጺ ስለዘሎ፡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንኸይጥረዙ ኢና ንማጎት እምበር ጣልቃ ኣይንኣቱን ኢና ከምዝበሉዎም ይሕብሩ።

እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ሓሙሽተ ኤርትራውያን፡

  • ዓብዱላሂ መሓመድ ሓሚድ
  • ደንደን እሽማዒል ኣቡበከር
  • ፈዳይ የማነ
  • ሄርሞን ጎይትኦም
  • ዮናታን ብእምነት ኢዮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እዞም ሓሙሽተ ስደተኛታት ብሕጂ እውን ገና ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ንኽጸንሑ ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦም'ውን ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ጉዳይ ኤርትራውያን ብቀረባ ምስ ዝምልከቶ ኣካላት መንግስቲ ይዘራረበሉ ከም ዝነበረ እዩ ሓቢሩ ነይሩ።

እቶም ንጉዳይ'ቶም እሱራት ዝከታተሉ ዘለው ሰባት፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ከም ዘይገበረሎምን ድሕሪ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ኣብ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዙሕ ሽግራት የጋጥሞም ከምዘሎ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረዲኦም።

እቶም ወከልቲ፡ ኣብ ግብጺ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ብስራሕ ኣልቦነትን ስእነት ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተጨናኒቖም ከምዘለው ሓቢሮም።