ብሪጣንያ፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ሩዋንዳ ንክረአ ክትመልሶም እያ

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ገለ ሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ርዋንዳ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክወስዶም ትልሚ ከምዘለዎ ተገሊጹ፡፡

ጸሓፊት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ዩኬ ፕሪቲ ፓተል ምስ ሰብ መዚ ርዋንዳ ስምምዕ ቅድሚ ምፍራማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነቲ ትልሚ ዕላዊ ክገብሮ ትጽቢት ይግበር፡፡

ኢዲተር ቢቢሲ ሆም ማርክ ኢስቶን፡ ብመሰረት እቲ ውዕል መጻብቦ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓዳር ዘይብሎም ሰብኡት ብሓይሊ ክውሰዱ ከምኽእሉ የረድእ፡፡

ነቲ ፖሊሲ ‘‘ጨካን’’ ክብል ዝገለጾ ካውንስል ስደተኛታት ግና: መንግስቲ ደጊሙ ክሓስበሉ ጸዊዑ፡፡

ሰልፊ ዕዮ ብወገኑ ‘‘ዘይሰርሕ፣ ዘይስነምግባራውን ጠገለ ዘይብሉን’’ ብምባል ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተውሃቦ ቅጽዓት ንምርስሳዕ ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ እዩ ኢሉ፡፡

ሊበራል ዲሞክራትስ ብወገኑ ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትትን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ደው ኣብ ምባል ኣበርክቶ ዘይብሉን ክብል ነቒፉ፡፡

በቲ ውዕል፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ መጀመርታ 120 ሚልዮን ፓውንድ ክኽፈሎ እዩ፤ ተቓወምቲ ግና ዓመታዊ ወጻኢ ናይቲ ሙሉእ መደብ ኣዝዩ ገዚፍ ከምዝኾነ ይሕብሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28,526 ሰባት ብኣናእሽቱ ጀላቡ ንብመትረብ እንግሊዝ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ኣትዮም፡፡ ኣብ 2020 እቲ ቑጽሪ 8,404 ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡

ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 600 ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝኣተዉ ኮይኖም፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት 1,000 ክበጽሕ ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ተዛሪቡ፡፡

‘‘ዘይሕጋዊ ስርዓት ጎናጎኒ ክነቐጽል ኣይንኽእልን’’ ዝበለ ጆንሰን ‘‘ለውሃትና ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ንምሕጋዝ ዘለና ዓቕሚ ግን ክንድኡ ኣይኮነን’’ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ሓለዋ መትረብ እንግሊዝ ናብ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ክሰጋገር ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕላዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር፡፡

ዩኬ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዲ ዕቑባ እተሳልጠሉ ማእከል ንምኽፋት ዝወጽእ ዘሎ ሕጊ ብፓርላማ እታ ሃገር ዝረኣይ ዘሎ ኾይኑ ብርቱዕ ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግመት፡፡

ነቲ ሕጊ ዝቃወም ሓላፊ ካውንስል ስደተኛታት ኢንቨር ሰለሞን እቲ መደብ ‘‘ ተወሳኺ ሰብኣዊ ስቅያት ክህሉ ዝገብር፣ ዕግርግር ዝፈጥርን ዓመታዊ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ዝሓትትን እዩ’’ ይብል፡፡