እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢምራን ከሃን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ካብ ስልጣን ተኣልዩ
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ከሃን፡ ንመሪሕነቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ‘‘ዘይተኣማማንነት ድምጺ’’ (ኖ-ኮንፊደንስ ቮት) ተሳዒሩ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ፡፡
እቲ ንመዓልቲታት ዝቐነየ ምስሕሓብ፡ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ተቓወምቲ ድሕሪ ዘቕረብዎ እማመ መዕለቢ ረኺቡ፡፡
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከሃን ካብ ሓላፍነቱ ክእለ ዝጠልብ እማመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ኢምራን ከሃን ነቲ ፓርላማ ኣፍሪሱ ነቲ እማመ ደው ክብል ገይሩ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ቀዳማይ ሚኒስተር ካሃን ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻኢ ከም ዝተንቀሳቐሰ ብምግላጹ እቲ ናይ ዘይተኣማማንነት ድምጺ ብሰንበት ተኻይዱ፡፡
በዚ መሰረት ኢምራን ከሃን፡ ብናይ ዘይተኣማማንነት ድምጺ ካብ ሓላፍነቱ ዝተሰጎገ ፈላማይ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ፡፡
ፓርላማ ፓኪስታን ሓዱሽ መራሒ ንምምራጽ ሰኑይ ክእከብ እዩ፡፡
እቲ ዝምረጽ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ሃገራዊ መረጻ ፓስታን ክሳብ ዝካየደሉ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ፡፡
መራሒ ተቓዋሚ ፓስኪታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ ኣብ መወዳእታ ፓኪስታንን ፓርላማኣን ካብ ከቢድ ቅልውላው ነጻ ወጺኦም ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡
‘ዓለምለኻዊ ውዲት’
ኣንጻር ሩስያን ቻይናን ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ብዘይምስላፈይ፡ ካብ ስልጣን ክውገድ ኣመሪካ ዝመረሐቶ ውዲት ተፋሒሱኒ ዝብል ኢምራን ከሃን፡ ንተቓዋሚ መንግስቲ ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገለጾ ዓለምለኻዊ ውዲት ዘቕረቦ መረዳእታ የለን፡፡
ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር ምስ ሓያላት ሃገራት ወጻኢ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል እውን ብተደጋጋሚ ከሲሱ ነይሩ፡፡
ኣመሪካ ነቲ ዝቐርባ ክሲታት እትነጽጎ ኮይና ኢምራን ከሃን እውን ዘቕረቦ መረዳእታ የለን፡፡
ሩስያ ንዩክረይን እንትትወርር ናብ ሞስኮ ከይዱ ምስ መራሒ ሩስያ ዝተራኸበ ከሃን፡ ምምሕዳር ቡሽ ንዝኣወጆ ኲናት ኣንጻር ሽበራ ይወቅስ ነይሩ፡፡
እቲ ካብ ሓላፍነት ዝተኣለየሉ ድምጺ ቅድሚ ምክያዱ፡ ደጋፊኡ ዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ታሕተዋይ ፓርላማ ፓኪስታን፡ ኢምራን ከሃን ካብ ሓላፍነቱ ባዕሉ ከም ዝለቐቐ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ኣባላት ናይቲ ዝመርሖ ውድብ (ፒቲኣይ) ድማ፡ መራሒኦም ግዳይ ዓለምለኻዊ ሽርሒ ኮይኑ ብምባል ነቲ ህንጻ ገዲፎም ወጺኦም፡፡
ውድቀት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢምራን ከሃን
ሓለቓ (ካፒቴን) ሃገራዊት ጋንታ ክሪኬት ፓኪስታን ዝነበረ ከሃን ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስ ተመዘዘ፡ ብልሽውና ከም ዝቃለስን ቁጠባ እታ ሃገር ከም ዘሕውን ቃል ኣትዩ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና ነቲ ቃል ዝኣተዎ ከሳልጥ ኣይከኣለን፤ እታ ሃገር አብ ቁጠባዊ ቅልውላው ቀጺላ፡፡
ብሓገዝ ሰራዊት ፓኪስታን ናብ ሓላፍነት ከም ዝመጽአ ዝግለጽ ከሃን፡ ኣብዚ እዋን ግን ርክቦም ጽቡቕ ከም ዘይኮነ እዩ ዝሕበር፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እንታይ ኣጋጢሙ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ዝነበሮ ናይ ዘይተኣማማንነት ድምጺ፡ ‘‘ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት’’ ዘለዎ ይመስል ብዝብል እቲ እማመ ብምኽትል ኣፈጉባኤ ተኣጊዱ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ከሃን ድማ ነቲ ፓርላማ ብምብታን ቅልጡፍ መረጻ ክካየድ ጸዊዑ፡፡
እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ተቓወምቲ ቁጠዐ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ገለ ድማ ብክሕደት ሃገር ከሲሶምዎ፡፡
እቶም ተቓወምቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ክርምሮ እውን ሓቲቶም፡፡
ነቲ ጉዳይ ዝረኣየ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ብሓሙስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢምራን ከሃን ነቲ ናይ ዘይተኣማማንነት ድምጺ ከይካየድ ምኽልካሉ ዘይ ሕገመንግስታዊ እዩ ብምባል ወሲኑ፡፡
እቲ ናይ ዘይተኣማማንነት ድምጺ ክካየድ እውን ኣዚዙ፡፡