እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፓኪስታን፡ ቁርዓን ኣቃጺሉ ዝተብሃለ መንእሰይ ብናዕበኛታት ተቐቲሉ
ብቀዳም ኣብ ፓኪስታን ሓደ ቁርዓን ኣቓጺሉ ዝተባህለ መንእሰይ፡ በቲ ተግባር ዝተቖጥዑ ናዕበኛታት ቀቲለሞ።
ምስቲ ቅትለት እቲ መንእሰይ ብዝተሓሓዝ 80 ሰባት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ፖሊስ ዞባ ፑንጃበን ፓኪስታን ሓቢሮም።
እቶም ናዕበኛታት ነቲ መንእሰይ ካብ ኢድ ፖሊስ መንዚዖም ከም ዝቐተልዎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሬሳ ናይቲ መንእሰይ ትማሊ ሰንበት ንስድርኡ ተረኪቡ፡ ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ክሃን እቲ ቅትለት 'ምስ ምግሃስ ተሪር ሕጊ ከም ዝዳረግ' ብምግላጽ፡ እቶም ናዕበኛታት ካብ ኢድ ፖሊስ ዝወሰድሉን ፖሊስ ንምንታይ ካብ ሞት ከድሕኖ ከም ዘይክኣለን ጽፉፍ ጸብጻብ ክመጽኦ ኣዚዙ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ንኸምዚ ዓይነት [ቅትለት እቲ መንእሰያ] ዜሮ ተጻዋርነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ሓላፊ ፖሊስ ሙናዋር ሑሰይን፡ እቲ ኣብ 40ታት ዕድመ ዝግመት መንእሰይ፡ ህይወቱ ሓሊፉ ኣብ ገረብ ተኣሲሩ ከም ዝጸንሖም ሓቢሩ።
ሙናዋር ሑሰይን፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቶም በትሪ፡ ፋስን ሓጺንን ዝሓዙ ናዕበኛታ ነቲ መንእሰይ ቀቲሎም ኣብ ገረብ ኣንጠልጢለሞ" ኢሉ።
ሓላፊ ፖሊስ ቱላምባ [እቲ መንእሰይ ዝተቐተለሉ ከባቢ] ሙናዋር ጊጃር ብወገኑ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ዝተቐተለ መንእሰይ "ንዘሓለፈ 15 ዓመታት ኩነታት ኣእምርኡ ጥዑይ ኣይነበረን" ኢሉ።
ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ'ውን ሓደ ሓላፊ ናይ ሓደ ዓቢ ስሪላንካዊ ትካል ኣብ ከተማ ስያልኮት ዞባ ፑንጃብ ንእምነት እስልምና ኣነኣኢስካ ተባሂሉ ብናዕበኛታት ተቀቲሉ ሬስኡ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለ ዝዝከር'ዩ።