እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፓኪስታን ኣብ ውሽጢ ባንኪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነትጒ ጋዝ 14 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ፓኪስታን ኣብ እርትርከብ ከተማ ካራቺ ኣብ ውሽጢ ሓደ ባንኪ ብዘጋጠመ ነትጒ ጋዝ ብውሑድ 14 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።
እቲ ሓደጋ ካብ መተሓላለፊ ቱቦ ኣምሊጡ ብዝወጽአ ጋዝ ምኽንያት ከምዝተበገሰ ይግመት። ብዘይካ'ቶም ዝሞቱ ድማ፡ ካልኦት ብዙሓት ሰባት'ውን ጉድኣት ከምዝብጸሖም ተሓቢሩ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንመራኸቢ ብዙሓን ፓኪስታን ከምዝበልዎ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ዝፈራረሰ ህንጻ እዮም ዝርከቡ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ብዝሒ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ካብቲ ዝተጠቕሰ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።
ካብቲ ሓደጋ ምንቷግ ጋዝ ዝበጽሐሉ ቦታ ዝወጽኡ ምስልታት ከምዘርእዩዎ፡ እቲ ባንኪ ዝርከበሉ ህንጻ መስኮታቱን መዕጾታቱን ዝፈራረሰን ዝተገነጻጸለን ኮይኑ፤ ሰነዳት እቲ ባንኪ ድማ ኣብ መንገድታት ተበታቲኖምን ይረአዩ ነይሮም።
ከምኡ'ውን ብደገ ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ ዝነበሩ ተሽከርከርት ጉድኣት በጺሕዎም ተባሂሉ።
ሓለፍቲ ፖሊስ እቲ ከበቢ፡ "እቲ ነትጒ ብኸመይ ክለዓል ከምዝኸአለ ሰብ ሞያ እናመርመርዎ እዮም። እንተኾነ፡ ትሕቲ ህንጻ ኣብ ዝተስርሐሉ ከባቢ ኣብ ዘሎ ፈሳሲ መተሓላለፊ መስመር ብዘጋጠመ ነትጒ ጋዝ ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል" ክብሉ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።
እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሓቢብ ዝተብሃለ ባንኪ ብትዊተሩ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሓደ ጨንፈር ባንክና ናይ ምንቷግ ሓደጋ ኣጋጢሙና" ክብል ኣስፊሩ።
በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበጽሖም ስድራ ግዳኣት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን'ውን ገሊጹ።