ክሊማዊ ለውጢ፡ በካሊ ጋዝ ንምጉዳል ከብቲ ኣብ ሽቓቕ ክሸና ዝገበረ ዕዉት መጽናዕቲ

ከብቲ፡ ነቶም ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቡ ናብ ኣየር ዝብተኑ ጋዛት 'ግሪንሃውስ' ንምንካይ፡ ከብቲ ናብ ዓይኒ-ምድሪ (ሽቓቕ) ምኻድ ክላመዳ ከምዝኽእላ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ነተን ከብቲ ናብቲ ንዐአን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ሽቓቕ ከይደን ክሸና ኣለማሚዶመን። ሽንተን ተኣኪቡ ካብ ብከላ ናጻ ናብ ዝኾነሉ ኩነታት ተመስሪሑ።

ሽንቲ ከብቲ፡ 'ኣሞንያ' ዝተባህለ ባእታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መሬት ምስተኻዕወ 'ኒትሮስ ኦክሳይድ' ዝተባህለ በካሊ ጋዝ ይፈጥር።

ብዓለም ደረጃ ካብ ዝወጽእ ግሪንሃውስ ጋዝ፡ እቲ 10 ሚእታዊት ካብ ኣሓ (ከብቲ) ከምዝወጽእ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብቲ ዝተገብረ ፈተነ፡ እቶም ተመራመርቲ ን16 ኣሓ ኣብቲ "ሙ…ሉ" (MooLOO) ክብሉ ዝጸውዕዎ ሽቓቕ ምሻን ከምዘለማመድወን ሓቢሮም።

እተን ኣሓ ኣብቲ ናይ ሽቓቕ ደንበ ኣትየን ምስ ዝሸና፡ ሞሳአን መግቢ ከምዝዋሃባ ተገይሩ። ብድሕሪ'ዚ ኣብ ጥቓ'ቲ ሽቓቕ ኣብ ዘሎ ቦታ ከምዝጸንሓ ተገይሩ።

ባዕለን ናብቲ እንዳ ሽንቲ እንድሕሪ ከይደን ድማ ናይ መግቢ ሽልማት ይዋሃበን።

እተን ካብቲ ዝተመደበለን ሽቓቕ ወጻኢ ዝሸና ድማ፡ ከም መቕጻዕቲ ንሰለስተ ካልኢታት ብማይ ይግጨባ።

ነቲ መጽናዕቲ ንምዕሟቑ ተባሂሉ ድማ፡ እቲ እንዳ ሽንቲ ካብቲ ዝጸንሓሉ ከምዝርሕቕ ተገይሩ። ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሽልማትን መቐጻዕትን ቀጺሉ።

ድሕሪ 10 ፈተነታት፡ እቶም ተመራመርቲ 11 ካብተን ከብቲ ኣብ ሽቓቕ ክሸና ከምዝተላማመዳ ኣስተውዒሎም።

"ቀልጢፈን፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ዘሎ ናይ ሽንቲ ግዜ፡ እተን ከብቲ ባዕለን ናብቲ እንዳሽንቲ ይኸዳ" ክትብል ሓንቲ ካብቶም ተመራመርቲ ዝኾነት ሊንድሰይ ማቲዎስ ንራድዮ ኒውዝላንድ ተዛሪባ።

"ኣብ መወዳእታ፡ ሰለስተ ርብዒ ካብተን እንስሳ፡ ሰለስተ ርብዒ ናይ ሽንቲ ግዚአን ኣብቲ ሽቓቕ ፈጺመን" ድማ ኢላ።

እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ "እተን ምራኹት ድማ፡ ምስ ናይ ቆልዑ ዝዳረግን ካብ ናይ ንኣሽቱ ቆልዑ ዝበልጽ ብቕዓትን ኣርእየን"።

እቶም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ 80 ሚእታዊት ሽንቲ ኣሓ ብኸምኡ ኣገባብ ክእከብን ክምስራሕን እንተኺሉ፡ ምልቃቕ ኣሞኒያ ጋዝ ናብ ኣየር ብ56 ሚእታዊት ክንኪ ይኽእል'ዩ።

ምጉዳል ሽንቲ ኣብቲ ዝነብራሉ ቦታ'ውን፡ ጽሬተንን ድሕነተንን ኣብ ምሕላዉ ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ ድማ ይብሉ።