ኣብ ናይጄርያ ባርዕ ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ትሸዓተ ሰባት ቀቲሉ

ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝኾነት ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ኣብ ዓባይ ከተማ ሌጎስ ብምቅፃላ ምኽንያት ሞት ትሸዓተ ሰባት ኮይና ይብሉ ሰብ መዚ።

እታ መኪና ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይና ነዳዲ ኣብቲ ብርክት ዝበላ መካይን ዝሓልፋሉ መገዲ ምስፈሰሰ ሓሙሽተ ኣውቶቡሳት ሓዊሱ ልዕሊ 50 መካይን ተቓፂለን።

ልጓም ናይታ መኪና (ፍሬን) ስለዝተበላሸወ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ ተባሂሉ።

ካብ ኣፍሪካ ቁፅሪ ሓደ መፍረይት ነዳዲ ኣብ ዝኾነት ናይጀርያ፡ ሓደጋ ምብራዕ ነዳዲ ዝፀዓና መካይን ብተደጋጋሚ እዩ ዘጋጥም።

ተወካሊ ውሕስነት መገዲ እታ ሃገር ንቢቢሲ ከምዝተዛረቦ፤ እታ ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ናብ ጥቓ ድልድል ምስበፅሐት እያ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይና ብድሕሪኡ ድማ ተገምጢላ።

ስዒቡ ድማ ነዳዲ ምፍሳስ ምስጀመረ ሓዊ ተላዒሉ። እቲ ባርዕ ሽዑ ካብ መኪና ናብ መኪና እናተላገበ ተጋዲዱ።

ፕረዚደንት ናይጄርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊፁ።