እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ካናዳ፡ 'ካብ ሰብ ጸጋ እንተዘይተወሊድካ ቤት ክትዕድግ ዘይሕሰብ እዩ'
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ፡ ካናዳ ከቢድ ናይ ኣባይቲ ጸገም ስለዘለዋ፡ ገዛውቲ ኣብ ዝዕድጉ ገለ ወጻእተኛታት ናይ ክልተ ዓመት እገዳ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ ።
ኣብታ ሃገር ዋጋ ኣባይቲ ብልዕሊ 20% ማለት ብትሽዓተ ዕጽፊ ብምውሳኹ፡ መንበሪ ገዛ ናብ ኣስታት $817,000 ዓሪጉ።
ይኹን እምበር፡ ተንተንቲ ኢንዱስትሪ ዋላካ ንዕዳጋ ዝምልከት እኹል ሓበሬታ እንተዘይሎ እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ክግበር ተኣሚሙ ዘሎ እገዳ ምንም ለውጢ ከምዘየምጽእ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ቶሮንቶ፡ ኣማኻሪ ትካል ምርምር ቡልፐን ምክትል ፕረዚደንት በን ሚርስ፡ ኣብ 2015-2016 ወጻእተኛታት ካብ ዝገዝኡዎ ዝነበሩ 9% ናብ ኣብ 2020 ናብ ሓደ ሚእታዊት ከምዝወረደ ብምጥቃስ እቲ ውሳነ "ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ኣይመስለንን። እዚ ዝተጠቕሰ ቝጽሪ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። እቶም ብሓቂ ክዕድጉ ዝደልዩ ሰባት ከኣ ካልእ ኣማራጺ መገዲ እውን ክደልዩ እዮም " ኢሉ።
ሚስተር ሚረስ፡ እዚ ናህሪ ዋጋ ኣባይቲ ብሰንኪ ብዝሒ ህዝብን ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ንዕብየት ዝቕይድ ሕግታት ምትእትታው ምዃኑን ሓበሩ።
ኣብ 2020፡ ኣብ ካናዳን ካልእ ቦታታትን ዝነበሩ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፡ ቁጠባ ሃገር ንምዕቃብን ጠለባት ህዝቢ ንምምላእን ክፍሊት ልቓሕ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ስለዘውረዱዎ እቲ ጉዳያት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር።
ናህሪ ዕዳጋታት ኣባይቲ ዓለም ኣብ ኩሉ ይረአ እኳ እንተሎ ኣብ ካናዳ ግን ዋጋ ገዛን ኣታዊታት ሰራሕተኛታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ኮሚተ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኢኮኖሚያዊ ኮሚቴን ልምዓትን ካናዳን የረድእ።
መብጽዓ
ሚስተር ትሩዶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዝገበሮ መብጽዓ፡ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ንኪፈትሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እቲ ብሓሙስ እተዘርገሐ ናይ ባጀት እማመ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዓደግቲ ዝጸንዐ ግዜያዊ እገዳ፡ ንሓድሽ ህንጻታት ዝውዕል ቢልዮናት ገንዘብ ንሓደስቲ ገዛእቲ ኣባይቲ ግብሪ ዘይክፈሎ መደብ ውህለላ ሓቚፉ'ሎ።
ሚስተር ትሩዶ፡ ንገለ ካብቲ ንኢንቨስተራት ዝድግፍ ዓይነት መስርሕ ጨረታ እውን ክእግዶ እዩ። ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ካናዳ ካብ ዝተዓደጉ ሓሙሽተ ኣባይቲ፡ እቲ ሓደ ብመስርሕ ጨረታ እዩ ክዕደግ ጸኒሑ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዓደግቲ እተገብረ እገዳ፡ ንነባራት ተቐማጦ፡ ንወጻእተኛታት ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ከምኡ እውን እቶም ንፈለማን ንመንበሪኦምን ዝኸውን ቤት ዝዕድጉን ነጻ እዩ።
እዚ እማመ እዚ፡ ነቲ ገሊኡ ክፋላት ካናዳ ድሮ ካብ ከተማ ወጻኢ ንዝመጽኡ ዓደግትን ወጻእተኛታትን ዝኸፍልዎ ፍሉይ ግብሪ ዘጠቓልል እዩ ። ንኣብነት ፡ ኣብ ኦንታርዮ ፡ ናይ ኣውራጃ ዱግ ፎርድ ኣብ ቀረባ እዋን ፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዓደግቲ ዝጸንሐ ግብሪ ካብ 15% ናብ 20% ክብ ኢሉ። ካብ ቶሮንቶ ሓሊፉ እውን ናብ ምሉእ ኣውራጃ ከስፋሕፍሕ መደብ ከም ዘሎ ምልክታ ወጺኡ ነይሩ ።
እቶም ብወጻእተኛታት ዝዕደጉ ኣባይቲ ጠንቂ ክብሪ እዮም እኳ ዘይተባህለ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ንምፍታሕ ተወሳኺ ግብሪ ምኽፋል ከም ዘድሊ ሓላፊ ፖሊሲ ኣባይቲ ፎካስ ስቲቭ ፖሜሮይ ሓቢሩ ። " ዋላ እውን ንዕድጊ ወጻኢ እንተ ኣጊድካዮ ኣብቲ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋታት ኣባይቲ ብዙሕ ጽልዋ ኣይህልዎን እዩ" ኢሉ
ኒው ዚላንድ ፡ ኣብ 2018 እውን ንወጻእተኛታት ዓደግቲ ዝእግድ ተመሳሳሊ መለክዒ ኣተኣታትያ ነይራ ።
ፖሜሮይ ወሲኹ፡ "ንዋላ ሓደ ሰብ ዘየጨንቕ ግዳይ ተሓታቲ ምግባር ጽቡቕ ፖለቲካ እዩ" ብማለት ብዙሕ ጽልዋ ክህልዎ ከምዘይክእል ይዛረብ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝዓዪ፡ መስራቲ ጄነሬሺን ፕሮፌሰር ስኵዝ ፖል ከርሻው እውን፡ ሚስተር ትሩዶ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ዓቕሚ ገዛእቲ ኣብ ምውሳኽ ኮነ ምሕሳር ዋጋ ብዙሕ ትርጉም ከምዘይህልዎ ብምግላጽ፡ "ነቲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ኣባይቲ ንምህዳእ ኮነ ዋጋ ኣባይቲ ንምጉዳል ዝሕግዝ ስጕምትታት ኣይኰነን" ኢሉ።
ሚስተር ፖሜርዮ፡ ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ክብ ስለዘብል፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ዋጋ ኣባይቲ ምስኡ ኺጐድል ትጽቢት ከም ዝገብር ገሊጹ። ዕዳጋ ኣባይቲ ካናዳ፡ ዘይከም ናይ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብነዊሕ ዓመታት ሞርጌጅ ዝኽፈል ዘይኮነስ እቲ ናይ ካናዳ ናይ ገዛ ሞርጌጅ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ዝውዳእ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዝለዓለ መጠን ወለድ፡ ነቶም ናብ ዕዳጋ ኣባይቲ ክኣትው ዝደልዩ ዓደግቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘይረኽቡ እዩ ዝገብሮም ።
ሚስተር ማየርስ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ፖለቲከኛታት ቀረብ ኣባይቲ እንተዘይገይሮም እቶም ስሩዓት ዓደግቲ ኣባይቲ ካብ ዕዳጋ ስለ ዝእለዩ ከም ቶሮንቶን ቫንኮቨር ዝኣመሰሉ ውዑያት ዕዳጋታት ኣብ ነዊሕ እዋን ብተኻረይቲ ክዕብለሉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር፡ ሚስተር ፖሜሮይ፡ ወጋታት መሳርሒታት ህንጻ እንተዘይጎዲሉ ናህሪ ዋጋታት ኣባይቲ ከምዘይንኪ ይገልጽ ።
" ካብ ሰብ ጸጋ ስድራ ቤት እንተዘይተወሊድካ እትነብረሉ ቤት ክትዕድግ ዘይሕሰብ እዩ" ብምባል መጻኢ መንእሰያት ወለዶ ከቢድን በዳህን ምዃኑ ኣረዲኡ።