እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ፓኪስታን ነበር ናዋዝ ሸሪፍ ተፈቲሑ
ሓደ ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ ናዋዝ ሻሪፍን ጓሉ መርየምን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ በይኑ።
እቲ ኣብ 2017 ካብ ስልጣን ዝወረደ ናዋዝ ሸሪፍን ጓሉን፡ ምስ ብልሽውና ብዝታኣሰሰረ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ገበነኛታት ኮይኖም ብምርካቦም ን10 ዓመት ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍራዶም ንክልተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሖም።
እንተኾነ ግን ክልቲኦም ዝገበርዎ በደል ከም ዘይነበረ ብምግላጽ ይግባይ ብምባሎም፡ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ነቲ ቀዳማይ ብይን ኣፍሪሱዎ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተገብረ ሃገራዊ ምርጫ፡ እቲ ብናዋዝ ሸሪፍ ዝምራሕ ሰልፊ እስላማዊ ሊግ ፓኪስታን፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘሎ ኢምራን ካን ዝምራሕ ሰልፊ ተህሪክ-ኢ-ኢንሳፍ ከም ዝተሳዕረ ይዝከር።
ንሱ፡ ምስ ጓሉን ሰብኣይ ጓሉን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝወጽሉ እዋን፡ ብደገፍቱ ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉ'ውን ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢረን።
ቤዓልቲ ቤቱ ንናዋዝ ሻራፍ ዝኾነት ኩልሶም ናዋዝ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብሕማም ካንሰር ኣብ ከተማ ለንደን ዓሪፋ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ላሆር ዝተገብረ ስነስርዓት ቀብራ ንኽሳተፉ ንሓጺር እዋን ተፈቲሖም ነይሮም።
ናዋዝ ሸሪፍ፡ ምስቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ዝውንኖ ክቡር ናይ ኣፓርታማ ኣባይቲ ብዝተሓሓዝ ብልሽውና ተኸሲሱ'ዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ በጺሑ።
ንሱ ግን፡ እቲ ክሲ ፓለቲካዊ ዕላማታት ዘለዎ ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።
ናዋዝ ሸሪፍ ንሰልስተ ጊዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ብምዃን ዘገልገለ ኮይኑ፡ ስሙ ኣብቲ ኣብ 2015 ዝተዘርገሐ ብ "ሰነዳት ፓናማ" ዝፍለጥ ምስጢራዊ ሰነዳት ብምርካቡ'ዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተኣዚዙ።
እቶም ሰነዳት ናይ ብዙሓት ሃብታማትን ፓለቲከኛታትን ኣስማት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ገንዘቦም ካብ ግብሪ ንምህዳም ናብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዘቐመጡ ዘቃልዕዑ'ዮም።
እቲ ናይ ይግባይ ምጉት ግን ጌና ከም ዘይተወደአን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክቕጽል'ዩ።
ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ነዚ ናይ ሎሚ ወሳነ ይግባይ ክብል ከም ዝኽእል'ውን ይፍለጥ።