እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተዋጋእቲ የመን፡ ንክልተ ኣዋርሕ ተኩሲ ደው ከብሉ ተስማሚዖም
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተዋጋእቲ የመን ንክልተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምግባሮም ኣፍሊጡ።
ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ የመን ተግባራዊ ዝኸውን ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እንትብጻሕ፡ ንፈለማ ግዜ እዩ።
ኲናት ሕድሕድ የመን፡ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስዚ ኲናት ሕድሕድ ብዝተኣሳሰር፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ከይሞቱ ኣይተርፉን ይብል።
ካብ መንጎ 'ዚኦም፡ እቶም 60 ሚእታዊት፡ ብሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምናን ጽሩይ ዝሰተ ማይን ንሞት ከም ዝተቓልዑ ይገልጽ።
እዚ ኣብ መላእ፥ታ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ዝትስፈወሉ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ 'ቶም ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ዝድገፍ 'ዕላዊ መንግስት'ን ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሑትን እዩ ተኻይዱ።
እዚ ተዅሲ ደው ምባል ተፈጻሚ ክኸውን ዝጀምር፡ ጾመ ረመዳን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ እዚ ብሽምግልና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንየመናውያን ዕረፍቲ ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ።
"እዚ ጽቡቕ ጅማሮ'ኳ እንተኾነ፡ እኹል ግን ኣይኮነን። እቲ ስምምዕ ክኽበር ኣለዎ። ቅድሚ ሕዚ'ውን ተዛሪበ ነይረ። እዚ ኲናት ደው ክብል ኣለዎ"።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ብወገኑ፡ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን ተላብዩ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ፡ መራኽብ ናብታ ዕጡቓት ሑቲ ተቘጻጺሮምዋ ዘለዉ ወደብ ኣል-ሑዳይዳ ክእትዋ፤ ከምኡ'ውን፡ ነፈርቲ ኣብ ምቁጽጻር ሑቲ ናብ እትርከብ፡ ርእሰ ከተማ የመን፡ ሰንዓ፡ ክዓርፋ ይፈቅድ።
እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት፡ ኣብ የመን ዕላዊ መንግስቲ ብምድጋፍ ምስ ዕጡቓት ሑቲ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ክዋጋእ ጸኒሑ እዩ።
ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን [ድሮን] ሚሳይላትን ተጠቒሞም፡ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከጥቅዑ ጸኒሖም ኣለዉ።