እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት የመን፡ ስዑዲ ብእትመርሖ ልፍንቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 100 ሰባት ሞይቶም
ከም ሓበሬታ ዓለማዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ስዑዲ እትመርሖ ልፍንቲ ኣብ ቤትማእሰርቲ የመን ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም።
ኣብ የመናዊት ከተማ ድሃማር ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፡ ካልኦት 40 ብህይወት ዝተረፉ ከም ዘለው እቲ ማሕበር ይገልጽ።
ንመንግስቲ የመን እትድግፍ ስዑዲ እትመርሖ ልፍንቲ ግን፡ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መዓስከራት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን'ዩ ኣዕንዩ ይብል።
ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ዓመጽቲ ሑቲ ንመንግስቲ የመንን ደገፍቱን ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ኮይኖም፡ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ቦታ ከም ዘጥቅዐት ይገልጽ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቅድም ኢሉ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።
ሓላፊ ልኡኽ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ የመን ፍራን ፎውክንስተን፡ ኣብቲ ቦታ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ይእክብ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ካልኦት ናይ ምርካብ ዕድሉ ግን 'ጸቢብ' ምኻኑ ሓቢሩ።
ፕሬዝደንት ዓብዱራቡሕ ማንሱር ሃዲን ካቢንኡን ብዕጡቓት ሑቲ ተደፊኦም ካብ ሰንዓ ካብ ዝወጽኡሉ 2015 ጀሚሩ፡ የመን ኣብ ኲናት እያ ዘላ። ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ብምትሕብባር ድማ ንፕሬዝደንት ሃዲ እናደገፈት መጺኣ ኣላ።
እቲ ልፍንቲ ዳርጋ መዓልታዊ መጥቃዕቲ ኣየር ዝፍጽም ኮይኑ፡ ሑቲ ድማ ብተደጋጋሚ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሚሳይል ይውንጭፍ።
ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ግን፡ 80 ሚአታዊት ህዝቢ ብከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጥቃዕ ገይሩ። ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት ይብል ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት።