እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ 1,200 ዜጋታት ካብ የመን ናብ ሃገርም ንምምላስ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ የመን ኣብ ጸገም ዘለዉ 1,200 ኢትዮጵያውያን ከውጽእ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ዲና፡ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኣመልኪቱ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ ነቲ ሓበሬታ ዕላዊ ገይሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ሊባኖስ ናይ ዝርከቡ 180 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ሰነድ ከምዝተዳለወን ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምለሱን ገሊጹ።
ኣብ የመን ብዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ ከባቢ ኣኪብካ ምርካብ ከምዘይተኻኣለ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዲና፡ ምስ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮጳ ብምትሕብባር ናይ 1,200 ኢትዮጵያውያን ናይ ጉዕዞ ሰነድን ካልኦት ኣድለይቲ ጉዳያትን ይዳለው ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ "ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ጽቡቕ ምርድዳእን ርክብን ኣለና" ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ንየመን ኣቋሪጾም ዝኣትዉ ኢትዮጵያውያን ሓለዋ ክግበረሎም ዘኽእል ስምምዕ ከምዘለዎም ሓቢሩ።
ብመሰረት ኣብ ቀረባ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ "ከምዚ ዓይነት ጸገም የለን ምባል ይኸብድ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ስዑዲ ዘለዉ ኣምባሳደራትን ዲፕላማትን ንጉዳይ ኢትዮጵያውያን ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ" ኢሉ።
ኣብ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ድማ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝገብረኦ ድርድር ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሩ።
"ንሕና ብድልየት፣ እምነትን ሓደ ልብን ኮይንና እናተሳተፍና ንርከብ፤ ውጽኢቱ እንፈልጠሉ እዋን ድማ ርሑቕ ኣይኮነን" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝሰርሑ ኣምባሳደራት፡ ቀጻሊ ሶኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓመታዊ ኣኼበኦም ከምዘሳልጡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ።