እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ክኸፍት ዝጽውዕ ሰልፊ ተኻይዱ
መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ተሳተፍቲ ዝርከቦኦም ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጣሊባን ተረኺቦም እቲ ጉጅለ ነቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህር ክኸፍቶ ጸዊዖም፡፡
እቶም ካብ 20 ዝበዝሑ ዝተባህሉ ሰልፈኛታት ቀዳም ንጉሆ እዮም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም፡፡
ጣሊባን እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ክጅመሩ ፈቒዱ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ሰዓታት ተምሃሮ ምምጻእ ምስጀመራ መሊሱ ክዕጾ ኣዚዙ፡፡
እቲ ተግባር ካብ ብዙሓት ወገናት ተቓውሞ ኣስዒቡሉ ኣሎ፡፡
እተን ተቓወምቲ ኣብ ቅድሚ ዕጡቓት ጣሊባን ‘‘ትምህርቲ መሰልና እዩ፤ ማዕጾ ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ክፈትዎ’’ ክብላ ተሰሚዐን፡፡
ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈት ሓንቲ መምህር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ‘‘ናጽነትን ክምሃራ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮን ብዝምልከት ህይወተይ ክህብ ድሉውቲ እየ’’ ኢላ፡፡
‘‘ንናይ ደቅና ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኢና ኣብዚ ዘለና፤ ብዘይ እዚ መሰል፡ ሞይትና እውን ክንከውን ንኽእል ኢና፡፡’’
ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ብሓይልታት ጣሊባን ክብተኑን ተሳተፍቲ ክእሰሩን ዝተርኣዩ ኮይኖም እቲ ናይ ትማሊ ሰልፊ ግን ክቕጽል ፈቒዶም እዮም፡፡
ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ደጊሙ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ኣፍጋኒስታን ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸፈተ ኮይኑ፡ ዝባዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይምለሳ ከልኪሎም፡፡
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጣሊባን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብረቡዕ ከምዝኽፈታ እኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ማእከላይ መሪሕነት እቲ ጉጅለ ግና ‘‘ዝተዋደደ እስላማዊ ትልሚ" ክሳብ ዝወጽእ ደው ክብል ኣዚዙ፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣፍጋናውያን፡ ክመሃራ ተሃንጥየን ከይደን ሓዚነን ናይ ዝተመለሳ ተምሃሮ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምክፋል ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለዉ፡፡
ኣመሪካን ዓይይ ብሪጣንያን ዝርከበአን ዓሰርተ ሃገራት ብዓርቢ ኣብ ዘውጸአኦ ሓበራዊ መግለጺ ውሳነ ጣሊባን ኣዐርዩ ዝርብሽ ክብላ ገሊጸን፡፡
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ድማ ኣብ ቐጠር ምስ ጣሊባን ከካይዶ ተሊሙ ዝነበረ ዘተ ሰሪዝዎ፡፡
እንተኾነ ምኽፋት ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ሕሉፋትን ማእከላይ መርገጺ ዘለዎምን ኣባላት እቲ ጉጀለ ኣፈላላይ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡
ኣብ ሰሜናዊ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ኣባላት ጣሊባን ጎራዙ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ ዝፈቐዱ ኮይኖም ካልኦት ግን ይቃወሙ ኣለዉ፡፡
ኣብቲ ብቀዳም ኣብ ካቡል ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሓንቲ ብተስፋ ምቑራጽ እትበኪ ተምሃሪት ‘‘ናትና ትውልዲ ናጻ ክኾናን ክዕምብባን እየ ዝደሊ፤ ኣብ ገዛ ኮይነን ክነብዓ ኣይኮነን’’ ክትብል ተዛሪባ፡፡