ጣሊባን ኣብ ባንክታት ኣመሪካ ተኣጊዱ ዘሎ ብቢልዮናት ዝቑጸር ዶላር ክልቀቐሉ ጠሊቡ

ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ምስ ሰብ ስልጣን ሃገራት ምዕራብ ክዘራረብ ጀሚሩ። ጣሊባን እቲ ኣብ ባንክታት ኣመሪካ ተኣጊዱ ዘሎ ብቢልዮናት ዝቑጸር ዶላር ክልቀቐሉ ጠሊቡ ኣሎ።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ከምዝቕጽል ዝተገለጸ ኣኼባ፡ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ረድኤትን ኣመልኪቶም ክዘራረቡ ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 95 ሚኢታዊት ኣፍጋናውያን እኹል ምግቢ የብሎምን ይብል።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብዝሒ ሽቕሊ-ኣልቦ ኣዝዩ ወሲኹ ኣሎ ተባሂሉ።

ዋጋ ምግቢ ከምዝነሃረን፡ መተዓዳደጊ ገንዘብ እታ ሃገር ዓቕሚ ዘይብሉ ድኹም እናኾነ ምምጽኡን እውን ይዝረብ።

ባንክታት’ውን ኣብ ልዕሊ ዝወጽእ ገንዘብ ተመን ኣቐሚጦም ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ 55 ሚኢታዊ ህዝቢ እታ ሃገር ንጥሜት ተቓሊዑ ኣሎ።

ትማሊ 16 ጥሪ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ: ጣሊባንን ምዕራባውያንን ጥቡቕ ዝርርብ ክገብሩ ከምዝጀመሩ ይዝረብ።

ተወካሊ ጣሊባን ሻፊኡላህ አዛም ንኣሶሺዬትድ ፕሬስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "እቲ ገንዘብ ንህዝቢ ኣፍጋን ክልቀቐሉ ኢና ንሓቶም ዘለና። ብኣፈላላይ ፖለቲካ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ክጉድኡ የብሎምን" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ተኸሲቱ ንዘሎ ከቢድ ጥሜትን ዛሕልን ስዒቡ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክሕግዝ’ምበር ክቐጽዕ የብሉን ክብል ‘ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ተወከልቲ ምዕራባውያን እቲ ጉጅለ ኣዝዩ ሓቛፊ ክኸውንን፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቁልፊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቐርብን ትኹረት ገይሮም ከምዘለዉ ይዝረብ።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸረ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ገዘአን ክጸንሓ ምእዛዙ ዝዝከር እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮን መምህራንን ጥራይ እዩ ክፉት ኮይኑ ዘሎ።

ነዚ ናይ ጣሊባን ስርዓት ዝተቓወማ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ጉጅለ ዒላማ ኾይነን ኣለዋ። ዝተሰወሩን ሃለዋቶም ዝጠፍኡን ጋዜጠኛታት ከምኡ’ውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ጣሊባን ነዚ መሰል ክስታት ኣይቕበሎን።

ዛጊድ ንሓይልታት ጣሊባን ኣፍልጦ ዝሃቦ ሃገር የለን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ኦስሎ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ነቲ ጉጅለ ኣፍልጦ ከም ምሃብ ተገይሩ ክቑጸር የበሉን ኢሉ ኣሎ።