እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝኣወጀ ገሊጹ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ "ንዘይተወሰነ" እዋን ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ።
ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ ኣሎ" ኢሉ።
"እቲ ውሳነ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቶም ደገፍ ዘድልዮም ብናጻ ዝውሕዘሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ" ዝዓለመ ምዃኑ'ውን እቲ ብቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ።
"እቲ ምቁራጽ ተጻብኦታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ከምዘመሓይሾን፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብዘይ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ንምፍታሕ መንገዲ ዘጣጥሕ" ክኸውን ከምዝኽእል መግስቲ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
እቲ ስጉምቲ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ ቅልውላዉ ትግራይ ድሕሪ ምዝርራቡ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሕሱም ጥምየትን ኩነታት ዓጾቦን ከምዘጋጠሞም ትካላት ረዲኤት ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።
ብሰንኪ'ቲ ክቕጽል ዝጸንሐ ረጽሚ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብታ ክልል ብስሩዕን ከምቲ ዝድለን ክኣቱ ከምዘይክኣለ ክግለጽ ጸኒሑ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሕብረት ኣውሮጳን ብምዃን ሰብኣዊ ቀረባት ብነፈርቲ ናብታ ክልል ክኣቱ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምእታው ጻዕርታት ከምዘካየደ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
"እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ ኩነታት ናይቲ ክልል እቲ ዝድለ ውጽኢት ክህልዎ እንተኾይኑ፡ እቲ ካልእ ወገን [መራሕቲ ትግራይ] ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ክህበሉ ኣለዎ" ክብል'ውን እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።
ብወገን መራሕቲ ትግራይ ዛጊት ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውሳነ መንግስቲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።
እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ዕጽዋን ምጉንዳብ ዋሕዚ ሰብኣዊ ረዲኤትን፡ ብዙሕ ህዝቢ ናይቲ ክልል ኣብ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ክዛረቡ ጸኒሖ'ምዮም።
ኣብቲ ንልዕሊ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ጸብጻባት ይገልጹ።
ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይኹን ስምምዕ ክበጽሕ ኣይክኣለን።
ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካየደ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ንኸብቅዕ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጺ ከምዝጥቀም ኣፍሊጡ ነይሩ።