ቅልውላው ትግራይ፡ ደራርቱ ቱሉ ኣብ ስነስርዓት ሽልማት ኣትሌታት ኢትዮጵያ እንታይ'ያ ኢላ?

ፕሬዝደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣትሌታት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ሰላም ንከውርዱ ሓቲታ።

ትማሊ ኣብ መበል 18 ናይ ገዛ ውሽጢ ሻምፒዮና ዓለም ኣዝዩ ዝድነቕ ዓወት ተጸንቢሎም ንዝተመለሱ ልኡኻት ኣትሌቲክስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት እቶም ኣብ ረጽሚ ዘለው ሓይልታት ግጭት ጠጠው ከብሉ ተማሕጺና።

"ትግራይ ኢትዮጵያ'ያ፤ በጃኹም መራሕቲ . . . በጃኹም ተጠቒምኩም ዘይኮነ ተጎዲእኹም ኢትዮጵያ ሓንቲ ግበሩዋ። እዚ ምስ ፈጣሪ ይክኣለኩም እዩ" ኢላ።

ኣብቲ ውድድር ተሳቲፎም ጽቡቕ ውጽኢት ካብ ሞንጎ ዘምጽኡ ኣትሌታት መብዛሕትኦም ተወለድቲ ትግራይ ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝኣተው ገሊጻ።

"ኣጆኹም፤ ኣይኽፋእኹም። ጽባሕ ካልእ መዓልቲ'ዩ• ብዙሕ ግድላት ሓሊፍኩም ባንዴራ ኢትዮጵያ ሓፍ ስለ ዘበልኩም ነመስግነኩም" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 11 መጋቢት 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ርእሰ ከተማ ሰርቢያ ቤልግሬድ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ብርክት ዝበለ ሜዳሊያታት ሓፊሶም'ዮም።

ኣብዚ ውድድር፡ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ወርቂ፣ ሰለስተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምር ትሸዓተ ሜዳሊያ ብምሓዝ ቀዳመይቲ ኮይና ነቲ ውድድር ዛዚማ እያ።

ኣሰልጣኒ ካብ ትግራይ ዝመጽኣ ኣትሌታት ሕሉፍ ይሕደጎ ኣብቲ ናይ ትማሊ መድረኽ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ዩ።

እቲ ኣሰልጣኒ ኣብዚ ውድድር ብሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ንዘምጽአት ኣትሌት ለምለም ሃይሉ፣ ኣብ 1500 ሜትሮ ወርቂ ንዘምጽአት ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይን ብ800 ሜትሮ ሜዳልያ ብሩር ንዝረኸበት ፍረወይኒ ሃይሉን ዘሰልጠነ እዩ።

ሰለስቲአን ኣትሌታት ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ናብ ቤልግሬድ ቅድሚ ምኻደን ንልምምድ ዝኾን ቦታ ስኢነን፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ'ውን ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ከም ዝነበረን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ምስቲ ዘሎ ኩነታት ትራክ ስለ ዘይረኸብና ኣብ ሓመድ ኢና ልምምድ ገይርና። ናይተን ቈልዑ ስነ ልቦና'ውን ክንድግፍ ነይሩና" ኢሉ።

ኮማንደር ደራርቱ ኣብቲ ናይ ትማሊ መድረኽ "ስፖርት ሕውነት፣ ፍቕርን ሰላምን እዩ። እዞም ቈልዑ [ኣትሌታት] ኩሉ ተጻዊሮም ንሰላም ጠጠው ብምባሎም ውጽኢት ኣምጺኦም ኣለው" ኢላ።

ፖለቲከኛታት ድማ ንኣፈላላዮም መፍትሒ ብምሃብ እታ ሃገር ሰላም ንክትረክእ ክገብሩ ተማሕጺና።

". . . መራሕቲ ትግራይ ኮንኩም ኢትዮጵያ በጃኹም . . . በጃኼም ንስለ እታ ናይ ጽባሕ ኢትዮጵያ ሓድነትን ሰላምን ክትብሉ ሓደ ኩኑ" ክትብል ሓቲታ።