እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ 21 ሃገራት ዝሳተፋሉ ቅድድም ብሽክለታ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሎሚ ጀሚሩ
ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርም ኣልሸክ፡ ሎሚ ዝፈለመ ቅድድም ብሽክለታ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 21 ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፈኦ ኣለዋ።
ኣብቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝካየድ ዓቢ ኣፍሪቃዊ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሞሮኮ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ርዋንዳ፣ ሞሪሽየስ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኣልጀርያ፣ ኣንጎላ፣ በኒን፣ ኡጋንዳ፣ ኒጀር፣ ጊኒ ቢሳው፣ ኢስዋቲኒን ቱኒዝያን ዝርከብኣን 21 ሃገራት ክሳተፋ እየን።
ብኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰሎሙን፣ ዮናስ ዘካርያስን ዮሴፍ ተኽላይን ትእለ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሓፈሻ 21 ተቐዳደምቲ ሒዛ'ያ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ።
ኣብ ናይ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመት፡ ሚኪኤል ሃብቶም፣ ኣኽሊሉ ገብረሂወት፣ ኣማኒኤል መሓሪ፣ ጴጥሮስ መንግስ፣ ሳምሶም ሃብተ፣ ጳውሎስ ገብረሚካኤል፣ ዳዊት የማነን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣለዉ።
ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ዮናስ ተኪኤ፣ ኤቨን ረዳኢ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዮኤል ሃብተኣብን ክሳተፉ እንከለው፡ ኣብ ሲንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣድያም ዳዊት፡ ዳናይት ፍጹም፡ ፌቨን ሃይለ፡ ሚለና ፋፌትን ሞናሊዛ ኣርኣያን ክሳተፋ እየን።
ኣብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ሳሮን ተኪኤ፡ ሮማና ጉዕሽ፡ ፊልማዊት ተኽሉን ራሄል ዘርእሰናይን ክሳተፋ እየን።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ንኣብርሃ ነጋሲ፡ ዓብዲ ዓብዲረዛቕን ሮጎባ ኣዪካን ከተሰልፍ እያ።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኢልትን ትሕቲ 23 ዓመትን ከኣ ሰብለወርቅ ኣያለ፡ ሃና ኣበበን ሃናማርያም ሃይለን ከተሳትፍ እያ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ'ውን ብሰሎሙን ሞክርያን ደጋጋ ጃኖን ክትውከል እንከላ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ጽገ ይገዙን ዲሳሳ ቀኖን ክውክላኣ እየን።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ 2019 ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብመንገዲ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ነፍስሄር ደሴት ኪዳነ፡ መኽሰብ ደበሳይን ሞሳና ደበሳይን ንኣርባዕቲኡ ወርቂ መዳልያታት ከም ዝሓፈሰቶ ዝዝከር እዩ።
ብዘይካ እዚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናይ ዓመተ 2021 ዝበለጸት ኣፍሪቃዊት ሃገራዊት ጋንታ ክትብሃል እንከላ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ'ውን ብተመሳሳሊ ዝበለጸ ኣፍሪቃ ተቐዳዳማይ ዓመተ 2021 ምስያሙ ይዝከር።
መደብ ጸወታ
- ሎሚ 23 መጋቢት ካብ ሰዓት ትሽዓት ናይ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ናይ ኤሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ክልቲኡ ጾታ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር፡
- ዕለት 24 መጋቢት፡ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ናይ ኤሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ክልቲኡ ጾታ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡
- 25 መጋቢት ብሚክስድ ሪላይ ዝጽዋዕ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እናተቐባበሉ ዘካይድዊ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር፡
- 26 መጋቢት ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ጽርግያ ውድድር፡
- 27 መጋቢት ናይ ኤሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ክልቲኡ ጾታ ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየዱ እዮም።